2010-04-15 13:58:43

ቤተ ክርስትያን፣ ኣዋጅ ብፅዕና


ኣብ ፖላንድ በቲ ዝነበረ ዴሳዊ ሥርዓት ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ኣባ ጀርዝይ ፖፓሉስዝኮ ዝርከብዎም ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን RealAudioMP3 ብፅእና ክትእውጀሎም ምዃና ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝፍጸሙ ናይ ሊጡርጊያ በዓላት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

እዞም ቤተ ክርስትያን ብፅዕና እትእውጀሎም ደቃ ምስቲ ናይ ወንጌል ብርሃን ዝተኣሳሰረን ዝግለጽን ናይቲ ዘይጽበ ዝሥዋእ ፍቕርን፣ ስቃይን ሐዋርያዊ ሓልዮት ዘንጸባርቐ ሕይወት ዘሕለፉ ምዃኖን እንክሕበር፣ ኣባ ጀርዝይ ፖፓሉስዝኮ ኣብ ፖላንድ ሥርዓት ዴስነት ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን ካብ ናይቲ ብሶሊዳርኖክስ ንዝጽዋዕ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ኣባላት ኣቦ ነፍስ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብቲ እዋን ብዝነበረ መንግሥቲ ውሳኔ መሠረት በዘስካሕክሕ ኣቀታትላ ንሞት ዝተዳርጉ ምዃኖም ይንገር። ዕለት 6 ሰነ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ፖላንድ ከተማ ቫርሳቪያ ናይ እምነትን ነጻነትን ሰማዕት ኮይኖም፣ ሕዝቢ ፖላንድ ብወንጌል ብዝምራሕ ሕይወት ነቲ ዝነበረ ናይ ዴስነት ምልካዊ ሥርዓት ብሰላማዊ መገዲ ክቃወምን ኣይፋለይን ክብል መስካሪ ሓቂ ክኸውን ዘተባብዑ ምዃኖምን በዚ ምኽንያት ብፅእና ክእወጀሎም ኢዩ። ኣባ ፖፓሉስዝኮ ዋላ’ኳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይንበሩ ብኽርስቶስ ነጻ ሰብ ምዃኖም ዝመስከሩ ናይ እምነት ሰማዕት ኢዮም።

ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ስፐይን ከተማ ቫላዶሊድ ኣብ ዝርክብ ካቴድራል ብፅዕና ዝእወጀሎም ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ኣባል ኣባ በርናርዶ ፍራንሲስኮ ደ ሆዮስ (1711-1735) ኣብቲ እዋን ኣብ ስፐይን ተስፋሕፊሑ ብዝነበረ ሕማም ፌራ ተለኺፎም ኣብ 24 ዓመት ዝዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ብሕይወት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣምልኾ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ሕዝቢ ስፐይን ክሰርጽ ዝገበሩ ልኡከ ወንጌል ከምዝኾኑ ይንገር።

ዕለት 25 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ብፅእና ዝእወጀሎም ናይ ቀርመለሳውያን ማኅበር ካህን ኣባ አንጀሎ ፖሊ (1642-1720) ምዃኖም እንክንገር፣ እዞም ናይ ድኻታትን ሕዙናትን ኣቦ ተባሂሎም ዝፍለጡ ምሉእ ሕይወቶም ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዘማእከሉን ኣብ ናይ ፍቕሪ ሥርሕ ዘሕለፉን ኣብ ሮማ ኣብ ጊዜ ሕማማት ዝቐርብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ብወግዒ ኣብ ኣደባባይ መላእ ሕዝቢ ዘሳተፈ ክርስትያናዊ ባህሊ ዘበገሱ ምዃኖም ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ይሕብር።

ዕለት 25 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅድስቲ ማርያም ማኅበር ካፑቺን ደናግል ደቂ ኣደ ሕያዋይ ጓሳ ዝመሥረቱ ናይ ቅዳሴ ሥርዓት እናፈጸሙ እንከለዉ እተን ነቲ ከም ኣቤል እነቕርበልካ ኅያባት በተን ንጹሃትን ኅዱኣትን ሕያዋንን የዕንትኻ ክትቕበሎ ንልምን ዝብላ ቓልት ደጊሞም እንቀብቅዑ፣ ብድንገት ዝዓረፉ ኣባ ኾሴ ቱይ ይ ሶለር እንተ ላዕለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብፅዕና ክትእውጀሎም ኢያ።

ሰንበት ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ. ዕለት በዓለ ጰራቅሊጦስ እናቴ ተረዛ ማንጋኔሎ (1849-1876) ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቤነቨንቶ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ወሃዚ ጸጋ ማኅበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ዘ ኢርፒኒያን ሶኒዮን ዝመሥረታ በቲ ንድኻታትን ንሕዙናትን ኣብ ዝኾነ እዋን ድሕር ከይበላ ድፍእ ቢለን ዘገልግላ ዝነበራ ብምዃኖን ፈደል ዘይቆጸራ በሳልን ጥበይና ዝብል መጸውዒ ዝተውሃበን ቤተ ክርስትያን ብፅእና ክትእውጀለ ምዃና ተሓቢሩ።

ሰንበት ዕለት 30 ግንቦት ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ማኅበር ደቂ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ዘ ቡዌኖስ ኣይረስ ዝመሥረታ እናቴ ማሪያ ፒየሪና ደ ሚከሊ (1890-1945) ኣምልኾ ቅዱስ ምስሊ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተባብዓን ዘስፋሕፍሓን ብፅዕና ክእወጀለን ኢዩ።

ቀዳም ዕለት 12 ሰነ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ስፐይን ከተማ ሊናረስ ጋዘጠይና ደራስን ማኑኤል ሎዛኖ ጋሪዶ (1920-1971) ብዘጋጠሞ ሕማም ኣካለ ስንኩልን ዓይነ ሥውርን ኮይኑ እንተተረፈ እውን መንፈሳውነት ቅዱስ ቁርባንን ማርያማውን ብዑምቀት እናነበረ ክሳብ ዕለት ሞቱ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከምስል ዝጸዓረ ብፅዕና ክእወጀሉ ምዃኑ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.