2010-04-15 19:10:31

ስምምዕ ምግታእ ኑክሌራዊ አጽዋር፡


እቲ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ አብ ዋሺንግቶን ካብ አቶሚክ አጽዋር ውግእ ንምድሐን ዘተኮረ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ከም ዝተፈጸመ ክምልከት ከሎ ፡ ፕረሲደንት ባራኽ ኦባማ ነዚ ሐደገኛ ዝኾነ አቶም ቦምብ ንምስራሕ ዘኽእሉ ቅመማ/ቅመም አብ ኢድ መእተውቲ ራዕዲ ብፍላይ አብ ኢድ”ቲ አልቃዒዳ ዝትብሃል አሸባሪ ጉጅለ እንተአትዩ ሕማቅ ሳዕቤን ከኸትል ስለ ዝክእል እዚ ምእንቲ ከይከውን ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝሐተቱ ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ካብ መእተውቲ ራዕዲ ነጻን ተተአማምንን ቅስንትን ዓለም ክትህሉ ፡ መንግስታት ዓለም አብ ምግታእ ተግባረ ሽበራ ክተሐባበራ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ከም ዝተሐሳሰቡ ክአ እዚ ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና አገንዚቡ

አብዚ አብ ዋሺንግቶን ዝተኻየደ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ናይ አርቦኣን ሸውዓተን መንግስታት መራሕትን ወኪላትን ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና አተሐሒዙ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

እቶም አብ ዋሺንግቶን ዝተጋብኡ መራሕቲ መንግስታት እገታ አቶሚም ንምስራሕ ዘኽእሉ ቅማመ ቀመማትን ነዚ ኑክሌራዊ አጽዋር ውግእዚ አማዕቢለን ወነንቲ አቶሚክ ክኾና ዝክእላ ሀገራት ንምግትእ ዝካየድ ጻዕርን ኩነታቱ ንምክትታል ድሕሪ ክልተ ዓመት አብ ደቡባዊ ኮርያ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ክካየድ ከም ዝተወሰነን እዚ ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና አረዲኡ።

ሕቡራት መንግስታት አመሪካን ሩስያን ንወተሃደራዊ አገልግሎት ዘለወን ኡራንየም ከጐድላ ድሕሪ ጉባኤ ናይ ክልቲኤን ሀገራት መራሕቲ ፕረዚዳንት ባራክ ኦባማን ፕረሲደንት ዲመትሪ መድቨደቭን ተሰማሚዖም ከም ዝተፈራረሙ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

መንግስቲ ኢራን ወናኒት አቶሚክ ንምኻን ሒዛቶ ዘላ መደብ ኑክሌራዊ መስርሕ ብምውጋዝ አብ ልዒሊአ ኤኮኖምያዊ ማዕቀብ ክውሰን ዝቀረበ ሐሳብ ብጉባኤ መራሕቲ ተቀባልነት ከም ዝረኸበን ህዝባዊት ቺና ከም ዘይትቃወም ምልክት ከም ዝሐበትን ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አረዲኡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.