2010-04-15 19:10:11

ሰነድ ጳጳሳት ኬንያ፡


አብ ምብራቅ አፍሪቃ አብ ኬንያ ካቶሊካዊውያን ጳጳሳት ናይታ ሀገር አብ ናኩሩ ረኪበ ጳጳሳዊ ጉባኤ የካይዱ ከም ዘለዉ ክምልከት ከሎ ፡ ንድፈ ቅዋም ማለት ሕጊ መንግስቲ ብዝምልከት መራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ ስልጣናት መንግስትን ክዝትዩ ከም ዝቀነዩ ዝዝከር ኢዩ።

ክልትኦም ወገናት ሥነ ሕይወት መዓስ’ዩ ሕይወት ሰብ ዝጅመር ዝተሰየመ አርእስቲ አልዒሎም ከም ዝዘተዩን ዝዝከር ኢዩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኬንያ መሰል ሕይወት ሰብ / ሰብ ምስ ተጠንሰ ዘይኮነስ ፍጥር ክብል ከሎ ከም ዝጅመርን መሰሉ ካብዚ ከም ዝጅመርን ብምግላጽ ምንጻል ድቂ ንርእሱ ገበን ከም ዝኾነን ከም ዝገለጹ ክዝከር ከሎ ፡ ብመሠረቱ ምንጻል ጽንሲ ክግታእ ከም ዝሐተቱን ይፍለጥ።

ናይ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ጆን ንጁወ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምንጻል ስንሲ ብጥቂ ከም ትቃወም ዝሀለፈ ቀረባ ግዜ ገሊጾም ከም ዝንበሩ ዝዝከር ኢዩ።

አብያተክርስትያና ኬንያ እቲ ካድሂ ኮርትስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ አስላም ብሕጊ ፍቁድ ክኸውን ከም ዝቃወማን ነቲ ምምሕያሽ ሕጊ መንግስቲ ዘዳሉ ዘሎ ኮሚስዮን አቤት ኢለን ከም ዘለዋ ክአ ተተሓሒዙ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።

ብጳጳሳትን ስበ ስልጣናይ መንግስትን ዝቆመ ናይ ሐባር ኮሚስዮን ነቲ ንድፈ ቅዋም ርእዩ ዝመሐየሽ አመሐይሹ ንኹሉ ዝሐቁፍ ፍታሕ ክረክብ ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.