2010-04-13 14:18:44

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11፣ ጻውዒት ቤተ ክርስትያን


ሎሚ ኣብ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ሕንጻ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪክ ኮሚቴ ዋና ጸሃፊ ኣባ ኮሲሞ ሰመራሮ ዘቐነባበርዎ ኣብ ናይ ቫቲካን ቤተ መዝገብ ዝርከቡን ብዛዕባ RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ዝተጽሓፉንናይ ታሪኽ መዛግብትን ብቐጥታ ብኣኦም ዝተውሃቡ ኣስትመህሮታትን ዝተፈጸሙ ርክባትን ዝተመሓላለፉ ውሳኔታትን ዘማእከለ ጻውዒት ቤተ ክርስትያን ኣብ እዋን ፒዮስ መበል 11 ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደረሰ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።

ነዚ ነዛ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ንዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝመርሑ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይና ፋቢዮ ኮላግራንደ ከምዝኾኑ እንክንገር፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ብፁዕ ካርዲናል ኣቲሊዮ ኒኮራ ናይ ቫቲካን ቤተ መዝገብ ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ሰርጆ ፓጋኖን ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፔንዛ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ታሪኽ መምህር ሪታ ቶሎመዮ ከም እተሳተፉ ክንገር እንክገሎ፣ እዛ መጽሃፍ ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ቫቲካን ዕጹው ቤተ መዝገብ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ዝምልከት ክኽፈትን መንበረ ጴጥሮስ ኣብ እዋን ር.ሊ.ፓ. ፒዮስ መበል 11 እንታይ ከምዝመስል ክጽናዕ ብዝተሓላለፍዎ ውሳኔ ዝተመርሔ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.