2010-04-09 11:17:38

ሰንበት ዘትንሣኤ 2010 (2002 ዓ.ም.)


“ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ ተሓጺባ በደመ ክርስቶስ”

መዝሙር፡ “ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ ትንሣኤኡ በሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል።

ንባባት፡ 1ቆሮ15፡1~7፥ 1ጴጥ 1፡1~5፥ ግ.ሓ.2፡22~25፥ ዮሓ 20፡1~18

ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ ወከመ ኃያል ወኃዳገ ወይን፥ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ።

ዘመነ ፋሲካ 6ተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ። እስራኤላውያን አብ ግብጺ ከለዉ መልአኽ እግዚአብሔር እናተሳገረ ነሓፎም። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ተሳገሩ፥ ባሕሪ ኤሪትራ ተሳገሩ፥ ንሓዲስ ኪዳን ግን ፋሲካ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ የዘኻኽረና ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ንሞት ዝሠዓረሉ ንሰይጣን ዝአሰረሉ ናብ ሰኦል ወሪዱ ንአዳም ምስቶም ዝጸደቑ ደቁ ዘውጽአሉ መንስተ ሰማይ ከፊቱ መሪሕዎም ዝአተወሉ ቦዅሪ ትንሣኤና ዝኾነሉ ዘዘኻኽር መዓልቲ ፍስሓን ታሕጓስን እዩ። “ክርስትስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንስኤ ሎሚ ብሰንበት ክርስትያን ታሕጓስ ኮነ ንአአ ካብ ኩለን መዓልታት ቀደሳን አኽበራን አልዓላን ብሓቂ ካብ ሙታን ተንሢኡ እዩ”። እናበልና ንጽሊ።

አብ ለይቲ ፋሲካ እንፍጽሞ ስርዓታት ኩሉ ነናቱ ምልክታን ትርጉምን አልኦ። ፋሲካ ብስርዓትና ለይቲ እዩ ዝቕደስ፥ ልደት ንጋሆ ይቅደስ። ኩሉ ሕዝቢ ብንስሓን ጸሎትን ብምሉእ ጾም አርብዓ ድሕሪ ጸይሙ ዝአክል ምስንዳው ገሩ አብ መዓልቲ ፋሲካ ኩሉ ጻዕዳ ለቢሱ መብራህቲ ሽምዓ ወሊዑ ክርስቶስ ተሥአ እሙታን እናበለ ናይ ዓወትን ብርሃንን ምልክት ንቤተክርስትያን ሰለስተ ጊዜ ንዘውር፥ ኩሉ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ሓሪዱ የፋስግ ከምቲ አብ ኦሪት አይሁድ ፋሲካኦም ከብዕሉ ዝገብርዎ ዝነበሩ። በዚ ዕለት እሱራት ይፍትሑ ጽጉማት ይርድኡ፥ ብኡሳት ይዕረቝ፥ ሕዙናት የጸናንዑ፥ ብሓጺሩ ኩሉ ንሓዲስ መንፈስን ርክብን ተሰናድዩ ይዕጠቕ።

ፋሲካ ንሓዲስ አተሓሳስባን አከያይዳን ዝዕድመና እዋን እዩ። ክርስቶስ ብሞቱ እሞ አብ መስቀል ሓዲስ ምዕራፍ ከፊቱልና። መልአኽ ነቲ ሕያው ምስ ሙታን አይትድለያኦ ኢሉ ነተን ንኢየሱስ አብ መንጎ ሙታን ክደልያኦ ዝመጻ ነጊርወን። መቓብር ኢየሱስ ዝርከቦ ቦታ አይኮነነ ንሱ አብ መንጎ ሕያዋን እዩ ዝርከብ። ክርስቶስ ሞት አይዓገቶን አብ ሓዲስ ሕይወት ምእንቲ ክመርሓና ናብ ሰማይ ክንአቱ አፍደገ ከፊቱልና። ነዚ ሓዲስ ሕይወት ክንአትዎ ወይ ክንለብሶ መገዲ ክርስቶስ ክንፈልጦ የድልየና። መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ነቶም ዝሰቕልዎን ዝፈርድዎን ዝነበሩ ኩሉ ዝተወድአ ይመስሎም ነሩ እንተኾነ እቶም ዝረአዩ ከም ዝምስክርዎ ዝነበሩ ንሱ ሕያው አሎ አይሞተን እናበሉ መስከሩልና። ኩልና ነዚ እንአምን ሎሚ እውን አብዚ መንፈስ ክንርከብ ከሎና ናይ እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ መንፈስ ንልበስ።

ኢየሱስ ምስ ሞተ ክልተ ዓይነት ፍርሒ ተራእዩ፡ (1) ማርያም መገደላዊት እተን ካልኦት አንስትን አብ መቓብር ምስ ከዳ ጥርሑ ምስ ጸንሐን ፈሪሓ እንቀጥቂጣ፥ መቓብር ጥርሑ ምስ ጸንሐን ዘይተጸበየኦ ኮይንወን ፈሪሐን። እቲ መልአኽ ግን “አይትፍርሓ፥ እፈልጥ እየ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘሎኽን ንሱ አብዚ የለን ተንሢኡ እዩ ከድክን ከምቲ ዝበሎ ንደቂ መዛምርቱ አብ ገሊላ ክጽበይዎ ንገራኦም በለን”፥ ነዚ ምስ ሰምዓ ንሓዋርያቱ ከበስራ እናጎየያ ከይደን፥ ሬሳ ኢየሱስ ተወሲዱ ክብላ ከምኡ መልአክ አይትፍርሓ ከም ዝበለን ክነግራ። ከምዚ እንከሎ ኢየሱስ ጎፍ ይብለን ሰላም ከአ ይብለን አብዚ ዝተሰምዐን ክንሓስብ ንኽእል፥ ንሱ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝብሎ ዝነበረ “አይትፍርሓ” አብኡ ክአምና ፥ አብዚ ሓዲስ ዘይፈልጥኦ ክአምና ይነግረን። ሽዑ ሓዲስ ተልእኮ ይህበን፥ ነቲ ሰናይ ዜና ክነግራ ንኻልኦት እውን ክረኽብዎ ክፈልጡ ልኢኽወን። ኩሉ ፍርሐን አብ ሓጎስ ተቐይሩ እዚ ኸአ ናይ ኢየሱስ አብ ሕይወተን ብምህላው እዩ። (2) እቲ ካልእ ፍርሒ አብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ 28፡8~15 ዘሎ እዩ ማርያም መግደላዊትን እትአ ካልአይቲ ማርያምን ናብ ከተማ ነቲ ኩሉ ከበስራ ክጎያ ከለዋ፥ እቶም ዓቀይቲ ነቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ ብፍርሃት ርዒዶም ነቶም ሊቃነ ካህናት ኩሉ ዝኾነ ነጊሮሞም፥ እቲ ፍርሖም አብ ናይ ነፍሲ ወከፍና አብ ገለ አጋጣሚ ዝገጥመና እዩ። እቶም ዓበይቲ ዓድን ሊቃነ ካህናትን ብጣዕሚ ፈሪሖም፥ መፍሪሒኦም ምኽንያት ከአ ስልጣኖም ከይስእኑ፥ ህዝቢ ንኢየሱስ ከይአምን እዩ። እዚ ዓይነት ፍርሒ አብ ሕይወትና ካብ ኩነታትና ዘይምእማን፥ ዋሕስ ዘይብሉ ሕይወት ክንመርሕ ከሎና ዝገጥመና እዩ። እቶም ወተሃደራት እውን ካብ ስርሖም ከይወጽኡ ፈሪሖም ነዚ እቶም ሊቃነ ካህናት ደቂስና ከሎና አርድእቱ ነቲ ሬሳ ወሲዶም በሉ፥ አብ አመሓደርቲ እንተ በጽሐ ከአ ባዕልና አሎናሉ ኩሉ ክንገብር ኢና ኩሉ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ዘዝገደደ ነገራት ይገብሩ ነሮም።

ማርያም መግደላዊት አብ መጨረሽታ ናይ እቲ ታሪኽ ከም ነንብቦ ንድሕሪት ክትምለስ እንከላ ብተሓጓስ እያ መሊአ ነቲ ዝረአየቶ ነገራት ክተበስር ጎያ፥ ጎይታና ተንሲኡ እዩ፥ ብሕይወቱ አሎ፥ አርድእቱ አብ ብርቱዕ ፍርሒ እንከለዉ ነዚ ከተበስሮም እንከላ ናይ ብሓቂ ናብ ብርቱዕ ሓጎስ ተቐይሮም። ጓሂ አብ ሓጎስ ተስፋ ቁርጸት ናብ ምሉእ ደስታ ተቐይሩ። ካብ ብርቱዕ ሓዘንን ፍርሕን ናብ ዝበለጸ ምጽንናዕን ቅሳነትን ተቐይሮም።

አብ አርባዕቲኦም ወንጌላውያን እንተ ረአና ተመሳሳላይ ነገራት የዘንትዉልና፥ ንትንሣኤ ዘበሰራ አንስቲ እየን፥ መቓብር ጥርሑ ጸኒሑ፥ መላእኽቲ ከም ዝተንሥኤ ነተን አንስቲ ነጊሮመን፥ ማርያም ምስተን አንስቲ አብቲ መቓብር አይከደትን፥ አብቲ መቓብር ካብ ሓዋርያት ጴጥሮስን ዮሓንስ ጥራሕ ይጥቀሱ፥ኢየሱስ ንማርያም መግደላዊት ከመይ ገሩ ከምዝተገልጸላ ይነግሩና። ትንሣኤ ዓቢ ብስራት ንሓዲስ ሕይወት ምዃኑ ንርዳእ። ማርያም መግደላዊት አበሳሪት ትንሣኤ ኮይና ኩሉ ጊዜ ትዝከር። ንሳ ንመምህራን ጎይትአን ክሳብ ትረኽቦ ደው አይበለትን አብ መቓብር ተመላሊሳ ንሱ ባዕሉ ብስማ ክሳብ ዝጽውዓ ዓይና ከለሊ አይከአለን። አሰር ማርያም መግደላዊት ተኸቲልና ሎሚ ንዝተንሥኤ ክርስቶ ክንረኽቦ፥ ንሱ በብስምና ይጽውዓና አሎ።


ትንሣኤ ክርስቶስ ክነብዕል ከሎና ካብ ነፍስወከፍና ዝድለ ነገ አሎ ንሱ ኸአ ንክርስቶስ ብጸግኡ ክንረኽቦ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ “ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን” ክንብል ከሎና ኩልና ነፍስና እና ጠቕስና አነ ተንሣእኩ እሙታን፥ ካብ ሓጢአተይ፥ ካብ ኩሉ ካብ አምላኽ ዝፈልየኒ ነገራት ተንሣእኩ እናበልና ንሕይወትና ትንሣኤ ክነበስራ ይግብአና። ክርስቶስ ሎሚ እውን “ሰላም ንአኻትኩም ይኹን” ዝብላ ቃላት አብ ገዛና ሕይወት ነፍስወከፍናን ክንደግመን ይደሊ እዩ እሞ ሰላም ትንሣኤኻ አብ ኩሉ ዓለም ልአኸልና ንለምኖ።

በዚ አጋጣሚ ብሩኽ ትንሣኤ ንኹልና።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.