2010-04-06 16:18:38

ዓርቢ ስቕለት 2010 (2002 ዓ.ም.)


ንባባት፡ ኢሳያስ 52፡13~53፡12፥ መዝሙር 31፡2~25፥ ዕብ 4፡14~16፥5፡7~9፥ ዮሓ 18፡1~19

“ አርዑተ መስቀሉ ጾረ ይስቅልዎ ሖረ ከም ኪያነ ይቤዙ እግዝእ ኮነ ገብር”።

ዓርቢ ስቕለት አብ እምነት ክርስትናና ፍሉይ ተዘክሮ ዘልኦ ንደቂ ሰብ ዕርቂ ምስ አምላኽ እሞ ብሞት አብ መስቀል ዝተራእየላ ፍልይቲ ዕለት እያ። መድሓኒና ምእንቲ ድሕነትና አብ መስቀል ዝሞተላ አፍደገ ሰማይ ዝተኸፍተላ ሰይጣን ዝተስዕረላ ሕይወት አብ ልዕሊ ሞት ዝተዓወተትላ ቅድስቲ ዕለት። አብ ወንጌል ብዛዕባ ሕማማት ክንርኢ ከሎና ፥ ክሕደት፥ ምትሓዝ፥ ፍርዲ፥ ስቕለትን ቀብርን ናይ ኢየሱስ ነንብብ። አርባዕቲኦም ወንጌላውያን ነዚ አጸቢቖም ይገልጽዎ ከም ማእከለይ ነገር ናይ ጽሑፎም ገሮም ከአ የቕርብዎ። ካብ መጀምርታ ቤተክርስትያን ጣዕሚ መስቀልን ትርጉምን ክርድአና ከምእትደሊ ታሪኽ ይነግረና ቅዱስ ጳውሎስ ሰባኺ መስቀል እዩ ነሩ። ቀዳሞት ክርስትያን ንስቕለት ክርስቶስ ልዕሊ ኹሉ ስለ ዝርአዩ አብ ግንባሮም አብ ገዝኦም አብ ኩሉ መለለይኦም መስቀል ነሩ። ታሪኽና ታሪኽ ስቕለት ክርስቶስ እዩ። ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ እንተ ዘይ ሰበኽኩ ወይለይ ዝበለ ጳውሎስ ፍሉይ ርድኢት ስቕለት ስለ ዝተረድኤ እዩ። ዓርቢ ስቕለት ፍሉይ አስተንትኖን ክንገብር እሞ ናብቲ ብመስቀሉ ዝተዓወት ክርስቶስ መስቀልና ሒዝና ናብ መዓልቲ ዓወት ንመርሽ። ዕለተ ዓርቢ ዕለት ዓወት እያ፥ ዕለተ ሓዘን አይኮነትን።

አብ ኢሳያስ ነብይ ቅድሚ ሾመንተ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብዛዕባ ባርያ እግዚአብሄር ዝተናገሮ በዚአ ዕለት ከም ዝተፈጸመ ነንብብ። ኢሳያስ መንነትን አብ ልዕሊ ባርያ እግዚአብሔር ዝተፈጸመ ከምዚ እናበለ ይገልጾ፥ ባርያ እግዚአብሔር ከም ንማሕረዲ ዝኸይድ በግዕ አብ ክንዲ ህዝቢ ዝስዋዕ አፉ አይከፈተን ንሱ ብገዛእ ፍቓዱ ንዝሓርዱ ኢዱ ሃበ። አብ ክንዲ ኩሉ በጃ ኾነ። መልክዕን ውቃቤን አይነበሮን ምስረአናዮ ዘብህገና ትርኢት አይነበሮን. . . . ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ ንስቓይና ኸአ አብ ነፍሱ ጸዓኖ. . . ንሱ ግና ብሰሪ ገበና ቖሰለ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ ንሕና ሰላም ምንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ ንሕና እውን ብስምብራቱ ሓዌና. . . መከራ ጸገበ ግናኸ ርእሱ አዋሪዱ ብትሕትና ተቐበሎ አፉ እውን አይከፈተን ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል ከምታ አብ ቅድሚ መቀዝታ ሱቕ እትብል በጊዕ አፉ አይከፈተን. . . ብግፍዒ ኂዞም ፈረድዎ ናብቲ ዝቕተለሉ ቦታ ጎቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ እኳ የልቦን ብምኽንያት ገበን ሕዝብና ተቐትለ፥ እከይ ዘይገበረ ሓሶት ከአ አብ አፉ ዘይተረኽበ ኸንሱስ ምስ ኃጥአን ከም ዝመውት ገበሩ. . . .። እዚ እዩ ንኢየሱስ ዝረኸቦ።አበሳ ዘይተረኽቦ ምእንታና ብጃ ኾይኑ። ንሕና አብ ክንዲ ካልኦት ንዝመቱ ክንደይ ነድንቖም፥ ሰማዕታት ንብሎም ንርእሶም ሓሊፎም ንኻልእ ስለ ዘርሃዉ። ንሶም ብኽልተ ምኽንያት ክስውዑ ይክአል ሓደ አብ ክንዲ ውጹዕ ግፉዕ ሓርነት ከልብስዎ ከም ነጻነት ሃገር፥ ሃይማኖት፥ ወይ ከአ ሓደ ዝፈትውዎ ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ከድሕንዎ ንአብነት ሓደ ሰብ አቦ ስድራ ካብ ዝመውት አነ ከምውት ክብል እንከሎ( ማክሲሚና ኮቢ ዝተባህለ ካህን አብ ጊዜ ናዚ ጀርመን አብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ንሓደ አቦ ስድራ ከድሕን አብ ክንድኡ መይቱ)። ገለ እዋን ከም ሰብ አብ ክንዲ ካልእ ግፍዒ ክትቅበሎ ቀሊል አይኮነን። ብዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኩልና ዝገበሮ ንሱ እዩ። ንሱ እቲ ሓቀኛ ባርያ አግዚአብሔር እዩ። ንሱ ንገዛእ ርእሱ ብገፋዕቲ ክውሰድ ዘፍቀደ፥ብትዕግስቲ ንኹሉ ዝተቐበለ፥ ምእንቲ ካልኦት ከም መስዋዕቲ ዝተበጀወ እዩ። ደሙ እዩ ንአና ዝከላኸለልና፥ ሕይወቱ እዩ ንመስዋዕቲ ዝዓረገ። ብስቓዩ ንብዙሓት ደቂ አምላኽ ገርዎም ንሱ እቲ ሓቀኛ በግዕ ፋሲካና እዩ። እዚ አብ ኢሳያስ ቅድሚ ዓመታት እነንብቦ አብ ኢየሱስ ንርእዮ። ንኻልኦት ደቂ ሓርነት ክገብር ንሱ በጃ ኾነ ይብለና። ነጻነት ክትለብስ ተበጂኻ ምኽአል የድሊ። ንሞት ንሓዘን ትርጉም ሕይወት ከምዝለብሳ ምግባር ነጻነት ይብሃል።

አብ ዕብራውያን ምዕ.4 ንሱ ሊቀ ካህናት ከም ዝኾነ ይነግረና። ኢየሱስ መስዋዕቲ ጥራሕ አይኮነን ንሱ ሊቀ ካህናት ነቲ መስዋዕቲ ፋሲካ ዘዕርግ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ሓደ ካባና እዩ ኩሉ አበሳና ጸርዎ። ንሱ አብ ቅድሚ አምላኽ ዝኾነ ክፍአት ስለ ዘይብሉ ኩልና አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክንቀውም ክኢልና። ሎሚ ነቲ ዝቖሰለን ዝተኸትከተን ሰውነቱ ንዝክር ንኸውን እንተኾነ ንሱ ልዕሊኡ ከም ሊቀ ክህናት ዝገብሮ ፍሉይ መንነት አለዎ። ሰዋዕን መስዋዕትን ባዕሉ ንሱ እዩ፥ ንሱ ናይ ሓቂ ፋሲካና እዩ።

“ንጉሥ አይሁድ” ዝብል እዩ እቲ ገበኑ አብ ሞት ዘብጽሖ። አብቲ ናይ ሞት መስቀሉ ዝተጻሕፈ ንጉሥ አይሁድ ዝብል እዩ ነሩ። በቲ ጥቕኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ ክርእይዎ ከለዉ ከም ገበነኛ እዩ ተቖጺሩ፥ እንተኾነ ንሱ ንጉሥ እዩ ነሩ። ዘውዱ እሾኽ መንበር ክብሩ መስቀል እዩ ነሩ። አብ መስቀል ተሰቒሉ አብ ናይ ዓወት ክብሪ ሓፍ ኢሉ። ንሱ ዝተሳዕረ ንጉስ ዘይኮነ ዝሰዓረ ንጉስ እዩ። ብገዛእ ፍቓዱ መይቱ ንሞት ከአ ስዒርዋ። መንፈሱ ምስ ወጸት ሞት አብ እግሪ መስቀል ተሪፋ ክትዓግቶ አይከአለትን። ድሕሪ ሓጺር እዋን እዚ ንብዙሓት እቲ ሓቂ ከምዝኾነ ርእዮሞ። ንሱ ናይ ብሓቂ ፋሲካና እዩ።

ብመዓልቲ ዓርቢ ስቕለት መስቀል ሰለስተ ናይ ኢየሱስ መልክዕ የዘኻክረና። ብርድኢት መስቀል ኢና ነዚ ሰለስተ ነገራት ክንርእዮን ብሓደ ክንቅበሎን እንኽእል፥ ሓደ ካብ ሓደ ፈሊና ክንርእዮ አይንኽእልን ኢና። 1. አብ መንጎ ስቓይ ዓወት ንርኢ፥ 2.ትንሣኤ እና አብዓልና ንመስቀል አይንርስዕን ኢና። 3. ንመስቀል እናተሳለምና ከሎና ተአኪብና ንኹሎም ዘለዉን ዝሞቱን ንዝክር። አብ ስእለተትና ንኹሉ ዘድልየና ነገራት አብ ዓለምና ንልምን። በዚ መስቀል ማእከል ናይ ዓለም ይኸውን። ክርስቶስ ከአ ሓቀኛ ፋሲካ ምዃኑ ይግለጽ።

ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንዕለተ ዓርቢ ብፍሉይ ይርእያ። ኩሉ ጽሑፋቱ ብዕምቆት እንተ ረአናዮ ፍረ፥ ቁም ነገር ሞት ኢየሱስ ንርኢ። ዓርቢ ስቕለት መዓልቲ ጓሂ ስቓይ ሓዘን አይኮነትን መዓልቲ ዓወትን ትንሣኤን ተስፋን እያ። ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ “ጽብቕቲ ዓርቢ ይብልዋ” አብ እስዊድን “ነዋሕ ዓርቢ ይብልዋ” አብ ሩስያ አብ ገለ እዋናት አብ ዓርቢ ስቕለት አብያተ ክርስትያናት ብጸሊም ክዳን ይጉልብብዎ ከምዝነበሩ ይንገር፥ አብ ዕድና ካብ ንጋሆ ክሳብ ምሸት ብጾም ጸሎት ንባባት ከብ ሓዲስን ብሉይን ኪዳን እና አንበብና ነሕልፎ። እዚ ኹሉ ነቲ ክርስቶስ ዝሞቶ ንምዝካር እዩ። ዮሓንስ ግን ሕማማት ኢየሱስ ናብ ሓዘን ዝወስድ ጉዕዞ ሞት አይኮነን፥ ንጉሣዊ ጉዕዞ ናብ መስቀል ገጽካ ናይ ጎይታ አብ መንበር ክብሪ ገጽካ እዩ ዝብል አቀራርባ አለዎ። ዮሓንስ አብ ሕማምን ስቓይን ደው አይብልን እዩ እንታይ ድአ ንዓለም ዝሰዓረ ጎይታ አብኡ እዩ ዘተኩር። ከምዚ ዝበለ ጎይታ ናታትና ንብዓትን ናትና ምድንጋጽን አየድልዮን እዩ። ብአንጻሩ ንሕና አብ ሞትን ትንሣኤን ናይ ምስጢረ ትንሣኤ ክንሳተፍ ንዕደም አሎና። ናይ ዮሓንስ ወንጌል ብዛዕባ ሕማማት ዘልኦ ርድኢት ካብቶም ሰልስተ ወንጌላውያን ፍልይ ዝበለ እዩ፥ ኢየሱስ ዝሳቐ አገልጋሊ አይኮነነ እንታይድአ ብስቓይ ዓወት ሓጎስ ተስፋ፥ ትንሣኤ ዘምጽእ እዩ። ንዮሓንስ ኢየሱስ ንኹሉ ዝቆጻጸር አብ ትሕቲኡ ዝገብር እዩ። ንሱ አብ ቅድሚ ጲላጦስ ምስ ቆመ አብ ዝሃቦ መልሲ እንተ ረአና ጲላጦስ እዩ ተፈሪዱ። ንኹሉ እንተረአና ዮሓንስ ዓለም ኢያ ተፈሪዳ እምበር ኢየሱስ አይኮነን ተፈሪዱ። ኢየሱስ አብ መስቀል እንከሎ ኩሉ ከምቲ ዝድለ ብስርዓት ከምዘሎ ከረጋግጽ ንርእዮ። ንሱ ኩሉ ከምቲ ዝድለ ክሳብ ዝኸውን አይመውትን። እቲ ጊዜ ምስ አኸለ ተፈጸመ ይብል። አብዚ ጊዜ እዚ ክንበኪ ወይ ክንጉሂ አይግባእን። ጉዕዞ ቀራንዮን አብ መስቀል ምማትን አብ ዓወት አብ ብርሃን ሕይወት ንትንሣኤ ዘምርሕ ስለ ዝኾነ ናይ ብሓቂ ናይ ሓጎስ ጉዕዞ እዩ።

ዕለት ዓርቢ ክብርትን ሰናይ ዕለት መዓልቲ ምዃና ክንገልጽ እንዕደመላ ዕለት እያ። ዮሓንስ ንሞት ኢየሱስ ብናይ እግዚአብሔር ርድኢት ክንግንዘቦ ይደልየና እምበር ከምቶም ብጎኑ ዝሓልፉ ዝነበሩ ወይ እውን ከም ሓዋርያት ከይንርድኦ ክንጥንቀቕ ይነግረና። እግዚአብሔር ንመስዋዕቲ ኢየሱስ ካብ ኩሉ ዝበለጸ መስዋዕቲ ገሩ ይቕበሎ።

ዮሓንስ አብ ወንጌሉ ደጋጊሙ ርክብ እግዚአብሔር አብን ወልድን ይገልጽ፥ ናይ ወልድ ቃላትን ተግባርን ነቦ ከምይ ገሩ ከምዘኽብሮ ይገልጽ። ብዛዕባ ዓርቢ ስቕለት ክዛረብ እንከሎ ካብቲ አብ ልብን አእምሮን አምላኽ ዘሎ መሰረት ገሩ ይዛረብ። መወዳእታ ዘይብሉ ሕያውነትን ፍቕርን አብ ሞት ኢየሱስ ተገሊጹልና። እዚ ኸአ ዝዓበየ መግለጺ ክብሪ አምላኽ እዩ። እግዚአብሔር ንዓለም ብመዓልቲ ዓርቢ ወዲ አምላኽ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰብ ምስ ሞተ፥ ዕለተ ዓርቢ ካብ ኩለን መዓልታት እትዓቢ ኮይና።

ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ነዚአ ፍልይቲ ዕለት ከመይ ገርና ክንርድአን አብ ትንሣኤ እተእትወና ስለዝኾነት አትኩሮ ክንገብር ግድነት እዩ። ንክርስትያን መስቀል ክርስቶስ ሽልማቱ እዩ። መስቀል ተስፍኡ ሕይወቱን ዓላምኡን እዩ፥እምብአር፡


ዓርቢ ስቕለት እምብአር ንነፍስወከፍና አብ አምላኽ ክንቀርብ ጥጡሕ ባይታ እትፈጥረልና ሕርይቲ ዕለት እያ። ኩልና ብምሉእ እምነት አብ ትሕቲ መስቀል ተምበርኪኽና ሓጢአተይ ምሓረኒ ብመስቀልካ ትንሣኤ ሕይወት ሂብካኒ ኢኻሞ መሓረኒ ተቐበለኒ ንበሎ። ከምቲ ፈያታይ ዘየማን ተቐበልኒ ምሳኻ ትንሣኤ ከብዕል ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.