2010-04-06 16:08:21

ዓለም ለካዊ ምትሕብባር ምስ ርሊጳ .


አብ ቅድስቲ መንበር ሥርዓተ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጸሎተ ሐሙስ ክሳዕ ትማሊ ሰኑየ ቅዱስ መልአኽ ብጽቡቅ አገባብ ተፈጺሙ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነድክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ክአ ንመላእ ዓለም መልእኽተ ትንሳኤ ብሕገ ቆኖና ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክአ ምሉእ ሥርየተ ሐጢአትን ሐዋርያዊ ቡራኬን ሂቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብጠንቂ”ቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታትን ገለ ክአ አብ ዝሐለፈ ቀረባ ዓመታትን አባላት ቤተክርስትያን ውሑዳት ካህናት አብ ልዕሊ ሕጽናት ብዝፈጸምዎ ሕማቅ ተገባራት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ንብIተክርስትያንን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ወቀሳታት ክስንዘሩ ከም ዝቀነዩ ክዝከር ከሎ ካብቶም ወቀሳታት ዝበዝሑ ምስ ቤተክርስትያንን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ከም ዝተሐባበሩ ንቅድስቲ መንበር ይልአኹ ከም ዘለዉ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መገለጺ አመልኪቱ።

እቶም ሃየስቲ ቤተክርስትያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን፡ ነቶም አብቲ ሕማቅ መዓልቲ ዝውዓሉ ካህናት አብ ክንድ ዝወቅሱን ሰብ ድኹም ከም ዝኾነ መሠረታዊ ትንተና ዘቅርቡን ነጢሮም ንቤተክርስትያን መራሒአን ክወቅሱ ከም ዝርአዩ ክምልከት ከሎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ አብ ቤተክርስትያን ዘሎ ርስሐት ክጸሪ አብ ዝጽዕርሉ ዘሎ ግዜ ከም ዝኾነ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ብዛዕባባ”ዚ ክትዛረበሉ ዘሕፍር ጉዳይ”ዚ መንግስቲ አመሪካ ብ2008 ዝሀቦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ካብቲ አብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ሕማቅ ተግባር ስሳን አርባዕተን ካብ ሚእቲ ብወለድን በዝማድን ከም ዝተፈጸመ ከም ዘመልከተ ክዝከር ከሎ ፡ እዚ አጸያፊ ተግባር”ዚ ብ0 3 ካብ ም ኢእቲ ብውሑዳት አመሪካውያን ካህናት ተፈጺሙ እንከሎ፡ መራኸቡ ብዙኀን ኩሉ በአታቶም ከም ዝርተፈጸመ ጌሮም ከም ዘቅረብዎ ይምልከት።

አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ በሰል ታሪኽ ጆርጅ ቫይገል ብዛዕባ”ዚ ጉዳይ”ዚ Stampa ብዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ ተሐቲቶም ክምልሱ እንከለዉ ፡ ጠንቂ”ዚ አብ ልዒሊ ቤተክርስትያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብመራኸቢ ብዙኀንንን ብገለ ውልቀ ሰባትን ዝፍኖ ወቀሳን መጥቃዕትን ፡ ቤተክርስትያን ፍትሒ ክነግስ አለዎ ብሕወት ናይ ምንባር መሠረታዊ ሕቶ ክኽበር አለዎ መሰል ናይቲ ብቃል ኪዳን ዝቆመ ስድራ ቤት ክግሀስ የብሉን ብማለት አብ ዓለም ለኻዊ ትካላትን አብ ዕለታዊ ስርሐ ትህቦ ትምህርትን ዝቃወሙ ሐያላት መንግስታትን ጠቅሚ ዝጐደሎም አብ ሃብቲ ምክዕባት ዘተኩሩ ትካላትን ፡ ሀብታማት ግብረ ሶድማውያንን ክወቅሱ ዕድል ስለ ዝረኸቡ ኢዮም።

እቶም ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዘይውሐጠሎም ሞራል አልቦ ትካላትን ውልቀሰባትን አባላት ቤተክርስትያን ዝፈጸምዎ ዓቢ ጌጋ ንቤተክርስትያን ንኸትጥቅዑ ዕድል ከም ዝረኸቡ ጆርጅ ቫይግል ንዕለታዊ ጋዜጣ ላ ስትምፓ ገሊጾምሉ።

አብ ልዕሊ”ዚ ኢሎም ምሁር ዜጋ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ጆርጅ ቫይግል ፡ ድንግልና ካህናት ክግታእ ፡ ደናግል ሥርዓተ ቅዳሴ ክፍጽማን ሥልጣናት ካህናት ክጐድልን ዝደልዩ ውሑዳት ካቶሊካውያን ናይቲ አብ ልዕሊ ቤተክርስትያንን ርእሰ ሊክቃነ ጳጳሳትን ዝፍጸም ወቀሳን መጥቃትን ተሐባበርቲ ከምም ዝኾኑ ጆርጅ ቫይግል ነቲ ጋዜጣ ካብ ዝሀብዎ መግለጺ ንምርዳእ ተኻኢሉ አሎ ።

ብኻልእ ወገን አብ ኢጣልያ ናይ ኪየቲ ቫስቶ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ ብውገኖም ከም ዘመልክትዎ ፡እቲ ዝገርም መራኸቢ ብዙኀን ምዕራብ አብ ፓኪስታን ሕደ ክርስትያን ብሕይወቱ ብአኽረርቲ ተቃጺሉ ቅድሚ ሎሚ አብ ሱዳን ሸውዓተ ክርስትያን ተሰቂሎም አብ ህንድን ዒራቅን ብዙሐት ክርስትያን ተቀቲሎም ብሕም ዘይበሉ ሐደ ሚልያርድን ክልተ ሚልዮንን ክርስትያን ከም ዘለዉ ረሲዖም ሕጂ ብዛዕባ”ዚ ገለ አባላት ቤተክርስትያን ዝፈጸምዎ አጸያፊ ነገር ምግናኖም ከም ዝኾነ አም አልኪቶም።

አብ ቫቲካን ኛይ ጳጳሳዊ አካዳሚ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሪኖ ፊዚከላ አፋውስ ዝሸጣ እንዱስትርያታት ንምንጻል ጽንሲ ዘዳለውኦ ፈውሲ ክሸጣን መኽሰብ ምእንቲ ክድልባን ምኽንያት ረኺበን ተዓጢቀን ንቤተክርስትያን ክወቅሳ ከም ዝርአያ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።



ብፁዕ ካርዲናል ኤቸገራይ አባል ጉብኤ ካርዲናላት ከም ዘመልክትዎ ፡ ቤተክርስትያን ክትጥቃዕ ናይ ገዛእ ርእሳ ባህሪ ኢዩ ፡ ካብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ፡ ካብዚ መጥቃዕታዊ ማዕበል”ዚነጺሃን አብ ሐቂ ደልዲላን ክትወጽእ ከም ዘለዋ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.