2010-04-06 16:14:43

ኣብ ጽንኩር ኩነታት እውን ይኹን፣ ክርስትያን ተብዓት መሰኻኽር ናይ ፍቅሪ ክርስቶስን ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ዘመዝገቦ ዓወትን ክኾኑ አለዎም።


ነዙይ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኦም ሐዋርያዊ አደራሽ ካስተል ጋንደልፎ ኮይኖም አብ ዘመሓላለፍዎ አስተምህሮ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ እዩ።

ላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ብእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ ንእሽቶ ፋሲካ ኮይና ናይቲ ትንሣኤ ክርስቶስ ነንስቲ ዘበሰረ መልአኽ በዓል እውን ብምዃኑ ሰኑይ ናይ መልአኽ ተባሂሉ ይበዓል። ቅዱስነቶም ንኩሎም ምእመናን እግዚአብሔር ንዓለም ዘለዎ ፍቅሪ ብዘይ ፍርሓት ክምስክሩ ከምዘለዎም ድሕሪ ምዕዳም ከምቲ ወንጌላውያን ዘዘንትውዎ ናይ ትንሣኤ መልአኽ ኣብ ባዶ መቃብር ብምዃን ትንሣኤ ክርስቶስ ዘበሠረ ሎሚ እውን ነዚ ብሥራት እዝን ካልእ ዓሚቍ ትርጉም መልአኽ እንታይ ምኻኑን ይገልጸልና ድሕሪ ቢሎም ነቲ ካልእ ትርጉም ናይ መልአኽ ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ።

“መልአኽ ዝብል ቃል ነቶም አገልገልትን ልኡኻትን አምላኽ ዝኾኑ አእምሮን ድላይን ዘለዎም መንፈሳውያን ረቀቅቲ ፍጥረታት ኣብ ልዕሊ ምግላጽ ጥንታውያን አበው ንኢየሱስ እውን መልአኽ ይብልዎ ከምዝነበሩ ምዝካር የድሊ። ንአብነት ኣብ ናይ ቅዱስ ተርቱልያን ጽሑፋት “ክርስቶስ መልአክ ምክር ተባሂሉ እውን ተሰዪሙ እዩ፣ ማለት አበሳሪ መደብ ድኅነት አምላኽ ስለዝኾነ እዚ አርእስቲ እዚ ነቲ ተግባር እምበር ባህርይ መልአኽ አይገልጽን፣ እዚ ስለዝኾነ ከአ ክርስቶስ ንዓለም ነቲ ዓቢ መደብ ድኅነት እግዚአብሔር ኣቦ ዝኾነ ዳግመ ምሕዋይ ደቂ ሰብ ከበሥር ነርዎ፣” ይብል፣

በዚኸስ ኢየሱስ ልኡኽ ናይ እግዚአብሔር አቦ ፍጹም ልኡኽ ናይ ፍቅሩ ተባሂሉ እውን ክጽዋዕ ይኽእል፣ እዚ ማለት ከአ ይብሉ ቅዱስነቶም “እዚ ኸአ ከምቲ ክርስቶስ ናይ እግዚአብሔር አቦ ፍቅሪ አበሳሪ ዝኾነ ንሕና ከአ ናይ ፍቅሪ ክርስቶስ አበሰርቲ ክንከውን አሎና፣ ናይ ትንሣኤኡ ልኡኻት ኢና፣ አብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ናይ ዝተጐናጸፎ ዓወት መሰኻኽር ኢና፣ ናይ መለኮታዊ ፍቅሩ አመሓላለፍቲ ኢና። ርግጽ እዩ ብፍጥረትና ባህርየ ትስብእት ዝለበስና ደቂ ሰባት ኢና ኮይኑ ግን ብምሥጢረ ጥምቀትን ብምሥጢረ ሜሮንን ንኵልና ልኡኻት ክርስቶስ ናይ ምዃን ተልእኾ መላእኽቲ ይወሃበና። ኣብዚ ዓመተ ካህናት ብዕምቆት ክዘኻኽሮ ዝደሊ ኸአ ብምሥጢረ ክህነት ካህናት ብፍሉይ ልኡኻት ክርስቶስ ናይ ምዃን ሥልጣን ይቅበሉ ዝብል ሓሳብ እዩ።”

ቅዱስ አቦና በዚ ኸምዚ ንዅሎም ምእመናን ካብ ንዝተንሠኤ ክርስቶስ ናብ መላእ ዓለም ንኽሰብኩ ወላ እውን ኣብ ማእከል ጸበባ ክፈርሁ ከምዘይብሎም ገሊጾም። ምስጋና ነቲ አባኡ ዘሎና እምነትን ተአማንነትን ይኹን፣ ብርሃን ፋሲካ ንልባትና የረስርስ ንዝኾነ ናይ ጓሂ ጽላሎት ከአ ይቅንጥጥ፣ ድሕሪ ቢሎም ጸሎቶም ናባታ ንግሥተ ሰማይ ብምዕራግ “ንጸጋ ምሥጢረ ፋሲካ ብምልኣት ንኽንቅበልን ተበዓትን ሕጉሳትን ልኡኻት ትንሣኤ ክርስቶስ ንምዃን ንሳ ትሓግዘና” እንክብሉ ተፈሥሒ ኦ ንግሥተ ሰማይ ጸልዮም።

ድሕሪ ጸሎት ንኹሎም ምእመናን ኣብ ካስተንጋንደልፎ ምሳኦም ንዝነበሩ ይኹን ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝኽታተልዎም ንዝነበሩ “ብቅሳነት ነዙይ ናይ መልኣኽ ዕለተ ሰኑይ ክተሕልፉ እምነየልኩም ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ ሃሌ ሉያ” እንክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ አስተምህሮኦም ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.