2010-03-25 18:57:31

መንጎ ሰብአይን ሰበይትን ዘሎ ሓቀኛ ፍቅሪ እሙንን ደምዳምን እዩ


ኣብ ሮካ ዲ ፓፓ እትበሃል ከባቢ ሮማ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ማእከል መንፈሳውነት ዝበሃል ናይ ሱባኤን አስተንትኖን አስተምህሮን ማእከል “ብጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምእመናን ዝተሰናደወ ዓሥራይ ዓለም ለኸ ዓውደ መጽናዕቲ መንእሰያት ትማሊ ተጀሚሩ። ቅዱስ አቦና ንተሳተፍቲ ናይዚ ዓደ መጽናዕቲ ኣብ ዝለአኽዎ መልእኽቲ፣ “ወዲ ሰብ ንኸፍቅር እዩ ተፈጢሩ፣ ሕይወቱ ምልአት ዝርኽበሉ ከአ ብፍቅሪ እንተደአ ነቢሩ ጥራይ እዩ። መንእሰያት ጽባቄን ዕብየትን ናይ ቃልኪዳን ክፈልጡን መንጎ ሰብአይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ነቲ መልዕልተ ባህርያዊ ዝኾነ ፍቅሪ አምላኽ ብፍሉይ መንገዲ ንምስትንታን ስለዝሕግዝ ምሥጢረ ተክሊል ዓቢ ክብሪ አለዎ። ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ንምሥጢረ ቃል ኪዳን አብ ዝጠዓመካ ጊዜ እትፍንጥሖ ከም ማንም ውዑል ናይ ምውሳድ ባህሊ ገኒኑ አሎ፣ ኮይኑ ግን ሓቀኛ ፍቅሪ እሙንን ደምዳምን ምዃኑ ምርዳእ መሠረታዊ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፣ ከመይ ክርስቶስ ናይቶም መጻምዲ ፍቅሪ ብምቅዳስ ምሳኣቶም ንኩሉ ከምዝሳተፍ ኩሎም ክርስትያን ክርድኡ አሎዎም፣ ንምሥጢረ ተክሊል ተአማኒ ምዃን ዝከአል ጥራሕ ዘይኮነ ናብቲ ዝዓበየ ፍቅሪ አምላኽ ንኽትበጽሕ እውን እንኮ መንገዲ እዩ” እንክብሉ ቃል ኪዳን ዘይፍታሕ ጽኑዕን ደምዳምን።

ናይዚ ዓሥራይ ዓውደ መጽናዕቲ ተማ “ንኽተፍቅር ምምሃር” ዝብል ኮይኑ መንጎ 20 ዓመትን 30 ዓመትን ዝዕድሚኦም ካብ 90 ሃገራት ዝተአከቡ 250 ተሳተፍቲ አለዎ። እዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናይ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምእመናን ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ርየልኮ ዝተሕፈት ኮይና ቅዱስነቶም እዘን ናይ ኵስኰሳ ዕለታት ኩሎም ተሳተፍቲ ነቲ ዝበሃል ብምስማዕን ብሓባር ብምጽላይን ብግዲኦም ኣብ በቦታኦም ምስ ተመልሱ ንኹሎሞ መሳቱኦም ክምስክሩ እላቦ፣ እዚ ቤተ ክርስትያን እትህቦም ዘላ ከቢድ መዝነት ምዃኑ ተረዲኦም አብ ስብከተ ወንጌል አገዳሲ ቦታ ከምዘለዎም ክዝንግዑ የብሎምን፣ እዚ እቲ ጎይታ ነርድእቱ ክሰናበቶም እንከሎ ዝበሎ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነንሕድሕድኩም ክትፋቀሩ እላበወኩም” ዝበሎ ምሉእ ብምሉኡ አብ ግብሪ ክሳብ ዚውዕል ኩልና ሓላፍነት ስብከተ ወንጌል ኣሎና። እንክብሉ አሠር እቲ ዓቢይ መምህርና ክርስቶስ ብምስዓብ ብሕልፊ መንእሰይ ብመንገዲ ግብረ ሠናይ ብምምልላስ መሰኻኽር ፍቅሪ ክርስቶስ ክኾኑ ሐዳራ፣ ንዝመጽእ ዕለተ ሆሳዕና ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ብምዃኑ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝጽበይዎም አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.