2010-03-23 18:10:16

ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፣ መሰል ሓለዋ ጥዕና


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብ ሃገሮም ንዘሎ መምርሒ ውሕስነት ጥዕና ንምሕዳስ ቀንዲ ናይ ፖለቲካ መርሃ ግብሪ ከምዝኸውን ገና ኣብ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ እንከካይዱ ዝኣተውዎ ቃል፣ ርእሰ ብሔር ንኽኾኑ ድሕሪ ምምራጾም ከይሰልከዩ ንናይ ሃገሮም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ሕክምና ተቛማትን ተራ ዜጋታትን እቲ መደብ ሕዳሴ መምርሒ ውሕስነት ጥዕና ንኽኣመንሉ ብተደጋጋሚ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ መግለጽታትን፣ መረዳእታን ክህብሉን ናይ ምይይጥን ክትዕን ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ከምዝጸንሔን ክንገር እንከሎ። እነሆ እቲ መምርሒ ውሕስነት ጥዕና ዝሕድስ መምርሒ ከምዝጸደቐ እንክንገር፣ ብዝተፈላያ ናይ ውሽጥን ወጻእን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ፖለቲካዊ ዓወት ባራክ ኦባማ ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትንታኔ ከምዝሃብዋሉ ተሓቢሩ።

ርእሰ ብሔር ኦባማ እቲ ሓድሽ ውሕስነት ክንክን ጥዕና መምርሒ ምስ ጸደቐ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እዚ ዓይነት ኅዳሴ ንምፍጻም ቅድሚኦም ዝተፈላለዩ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዝተሓርዩ ከምዝጸዓሩን እንተኾነ ግን ከይተዓወቱ ከምዝተፈረፉን’ ብሓጺሩ ንልዕሊ ፍርቒ ዘመን ብተደጋጋሚ ተሞኪሩ ዝመጸ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፣ እንተኾነ እቲ ሕጊ ብናቶም ደገፍቲ ዝኾኑ ኣባላት ሓጋግን ሕዝባዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ እወታዊ ድምጺ ረኺቡ ዝጸደቐ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም፣ ብናቶም ናይ ፈጻሚ ሥልጣን መሠረት ብናይ ሕዝባዊ ወጻኢ ጽንሲ ምንጻል ክልኩል ኢዩ ዝብል ውሳኔ ብምሃቦም በዚ ኣጋጣሚ ካብ ገለ ገለ ጽንሲ ምንጻል ዝቃወሙ እውን እወታዊ ድምጺ ከምዝረኸቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ናይ ርእሰ ብሔር ኦባማ ሓድሽ ናይ ውሕስነት ክንክን ጥዕና መምርሒ፣ ናይ ሕዝቢ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ካብቲ ካብ ብዙሓት ናይ ውሕስነት ወኪልቲ ማኅበራት ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ዘወግድ ከምዝኾነ እንክንገር፣ ብዙሓት ውሕስነት ክንክን ጥዕና ዘይነበሮም መሰል ክንክን ጥዕና ውሕስ ክኾኖሎም እውን ዝድግፍ ሕጊ ክኸውን እንከሎ፣ ጽንሲ ምንጻል ዘተባብዕ ግን ከምዘይኮነ ርእሰ ብሄር ባራክ ኦባማ ብናይ ፈጻሚ ሥልጣኖም ብናይ ሕዝባዊ ወጻኢ ጽንሲ ምንጻል ክልኩል ከምዝኮነ ከምዘረጋገጹ ተፈሊጡ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.