2010-03-22 18:11:37

ሰንበት ዘኒቆዲሞስ 2010 ( 12 መጋቢት 2002 ዓ.ም.)


መዝሙር፡ “ኒቆዲሞስ ዝስሙ ናብ ኢየሱስ ከደ ረቢ ሊቅ ንስኻ መምህር ኮንካ ካብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንሕና ብአኻ ንአምን ኢና ከም ወዲ አምበሳ በጥ ኢልካ ደቂስካ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ”።
ንባባት፡ሮሜ 7፡1~14፥ 1ዮሓ 4፡18~ፍ፥ ግ.ሓ. 5፡34~ፍ፥ ዮሓ. 3፡1~12።

ስብከትሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፥ አመ ከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፥ ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ እጓለ እመ ሕያው።

ኒቆዲሞስ ምሁር ሕጊ አባል ባይቶ አይሁድ ኅፉር አማኻሪ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ። ብለይቲ ምምጽኡ ብኽልተ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል 1. ብኻልኦት ከይርኤ ፈሪሑ ክኸውን ይክአል። 2. ንኽንርድኦ ምእንቲ አምሳል ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ይኽእል። መራሕ ሃይማኖት ከንሱ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ምስ ቆመ አብ መንፈሳዊ ጸልማት ከምዝነበረ ብብሩህ ክንርድኦ ንኽእል። እቲ ጽቡቕ ናቱ ብርሃን ክረክብ መጺኡ። ኢየሱስ ብርሃን ዓለም እዩ። ቅዱስ የሓንስ አብ ምዕ. 4 እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ቀትሪ ምድሪ ምስ ኢየሱስ ከም ዘዕለለት ይነግረና። አብ ብርሃን እንከሎና እውን ክንርእዮ የጸግመና እዩ።

ኒቆዲሞስ ዕላሉ ንኢየሱስ ብምምጓስ ይጅምሮ። እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ሓደ ሰብ ክገብሮ አይክእልን እዩ አምላኽ ምስኡ ዘሎ እንተዘይኮነ ይብል አብዚ እዋን ኢየሱስ ስብከቱ አብ ኩሉ ፍሉጥ ከም ዝነበረ ክንርዳእ ንኽእል። ኩሉ አብዚ ወንጌል እንረኽቦ ቃል ንቓሉ ክንርእዮ የብልናን። እዚ ወንጌል ዘተክሮ ተራ ኢየሱስ ንአናን ንዓለምን እዩ። ኒቆዲሞስ ኢየሱስ ነቢይ ናይ አምላኽ ሰብ ምዃኑ ግን ብምሉእ መንነቱ ክፈልጦ ከም ዘይከአለ ይገልጽ። ኢየሱስ ሓደ እኳ ሥርዓት፥ መንግስቲ አምላኽ ክርኢ አይክእልን እዩ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተዋህቦ ይብሎ፥ ካልአይ ጊዜ ክውለድ አልኦ። መንግስቲ አምላኽ ዝብል ቃል አብ ወንጌል ዮሓንስ አብዚ ጥራሕ ንረኽቦ። ሕይወት ዝብል ቃል ሓደ ዓይነት ትርጉም ሒዙ ይርከብ። ብሓቂ አብ መንግስቲ አምላኽ ምዃን ማለት ሕያው ምዃን፥ብምሉእ አብቲ መንግስቲ ምውህሃድ ወይ ግዝአት አምላኽ ምዃን ማለት እዩ።

ኒቆዲሞስ ቃል ንቃሉ ይርድኦ “ ሓደ ሰብ ድሕሪ ተወሊዱ ከመይ ገሩ ካልአይ ጊዜ ክውለድ ይክአል ይብሎ? ዘይምርድኡ ንኢየሱስ አብ ዓሚቚ መረዳእታ ክሓልፍ መንገዲ ይኸፍተሉ። ካልአይ ጊዜ ምውላድ ማለት ካብ ማይን ካብ መንፈስን ምውላድ ማለትዩ፥ እዚ ኸአ ናይ ክርስትያን ጥምቀት እዩ። ሥጋ ሥጋ እዩ ዝወልድ መንፈስ ግን መንፈስ ይወልድ እዚ ኸአ እዩ እቲ ካልአይ ልደት ኩልና ክንከዶ ክንኮኖ ዘሎና። “ኹልኹም ካብ ላዕሊ ክትውለዱ አሎኩም”። ንኹልና ዝርኢ ሓሳብ። ሓንሳብ ብመንፈስ ምስ ተወለድና ንርእስና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ገጹ ከም ዘምርሕ ንገብሮ። “ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ ድሃዩ ኸአ ትሰምዕ ካበይ ከም ዝመጽእ ወይ አበይ ከም ዝኸይድ አይትፈልጥን ኢኻ” ንፋስ ናይ መንፈስ ቅዱስ እስትንፋስ እቲ ሓደ መራሒ ሕይወትና እዩ። ተሓድሶና ብናቱ መንገዱ ዘምጽኦ ንሱ እዩ። ንፋስ ዝብል ቃል ግሪኽ ምስትንፋስን መንፈስን የስምዕ። ሓንሳብ አብ መንፈስ ቅድኡስ ምስ ተመራሕና ሕይወትና ብምልኡ አብ ትሕቲ ኢድ አምላኽ ንገብሮ አብ ዝኾነ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ክንከይድ ከአ ስንድዋት ንኸውን። እዚ እዩ እቲ መልእኽቲ ንኒቆዲሞስ ዝተዋህበ። ስለዚ ብሓዲስ ጉዕዞ ክጉዓዝ አለዎ ነቲ አብ ዝሓለፈ ንምሉእ ሕይወቱ ዝመርሖ ሓዲጉ። ብሓጺሩ አብ ኢየሱስ ክአምን አልኦ። ነዚ ስንድዊ እንተ ኾነ አብ ኢየሱስ ቃል አምላኽ ክርእየሉ ዝኽእል ክመርሖ እዩ።

ኒቆዲሞስ ኩሉ ኢየሱስ ዝበሎ ይቀበል እምበር ከመይ ገሩ አብ ተግባር ከምዝውዕል ክፈልጥ ከም ዝደሊ ንርኢ። ኢየሱስ ንኒቆዲሞስን ብጾቱ መራሕትን ይወቕሶም ነቲ ዝርእይዎ ካብ አምላኽ መጺኡ ዝበሎም ብዘይምቕባሎምን ነቲ መንፈሳዊ ንቕሓት ክርእዩ ብዘይምኽአሎምን። “ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትአምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ኸመይ ጌርኩም ክትአምኑ”። ንኢየሱስ ምእማን ምቕባል መልሲ ናይ ኩሉ ዑረትና እዩ። ንሱ ዝተዛረቦ ኩሉ ምሰብኡ ዘልኦ ውህደት እዩ ዝገልጸልና። ንሱ ዘስተምሃሮ ናይ አብኡ ትምህርቲ እዩ። ንሱ ቃል እግዚአብሔር እዩ። ዝዛርብ ቃል ጥራሕ አይኮነን፥ ካብ እሚንቲ ንኹሉ ዘምጽእ እዩ፥ ንሙታን ናብ ሕይወት ዝመልስ እዩ። ነቲ ቃል ክትርድኦ ኩሉ ጊዜ ቀሊል አይኮነን ልዕሊ ኹሉ ክንቅበል ክፉታት ክንከውን ይግባእ። በዚ እዩ ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ዝውጥሮ። ሰባት ብብዙሕ መንገዲ ነቲ ቃል ይምልሱ፥ ገለ ብምልኡ ብምእማን፥ ገለ ብዙሕ ምልክታት ተዋሂብዎም እንከሎ ይነጽግዎ። ከምቲ ዘራኢ ክዘርእ ዝወፈረ እዩ። አነ አበናይ ጋንታ እየ ክንብል ክንሓትት ይግብአና።

አብ ሕይወት መልሲ ክንረክብ ንኹሉ አብ ትሕቲ ጽላል አምላኽ ክንገብሮ ይግባእ። ናይ ኩሉ መልሲ ባዕሉ ኢየሱስ ኢዩ። “ብአኡ ዝአምን ዘበለ ኩሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምብአር ከይጠፍእሲ ከምቲ ሙሴ ንተመን ዝሰቐሎ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኺስቀል ይግባእ እዩ”። ኢየሱስ ካብ ሙታን ተንሢኡ ንሰማይ ዝዓረገ ንአና ናብቲ ንሱ ዘለዎ ምእንቲ ክወስደና እዩ። ንሱ ንኹሎም ነቶም ብምሉእ እምነት ዝጉዓዙ ምንጪ ሕይወት እዩ።

ንሕና ክሳብ ክንደናይ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ናብ ኢየሱስ ከም ንምልከት ክንሓስቦ ይግባእ። ጸገም ምስተጓነፈና ወይ ከአ አጋጣሚታት ምስረኸብና ጥራሕ ዲና እንደልዮ?ናይ ሕይወትና ማእከል ገርናዮዶ ንጉዓዝ?ጸሎትና ኩሉ ሓሳባተይ፥ድለታተይ፥ተግባረይ፥ መልስታተይ አብ ፍቕርኻን አገልግሎትካን ዘተኮረ ሎምን ኩል ጊዜን ዝብል ይኾን።

አብዚ አብ መንጎ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን ዝተገብረ ክትዕ ዓሚቕ ተሎጋዊ ትንተና ክንርኢ ንኽእል። እቲ አርእስቲ ዘቲኦም ናይ አምላኽን ዓለምን ርክብ ዝርኢ እዩ ነሩ።


አብ ጊዜ ውድቀትና አምላኽ አይኮነን ዝሓድገና ንሕና ኢና እንሓድጎ። ንጸልማት ካብ ብርሃን ክንመርጽ እንከሎና ናይ ገዛእ ርእስና ፈርድቲ ባዕልና ኢና። ባዕልና ካብ ፍቕሩ ንላዕሊ ነቐምጣ ንሱ ናትና ምምላስ ይጽበ። ኩሉ ጸቡቕ ዝገብር ዘበለ አብ ብርሃን ይመጽእ፥ብኻልእ ዘረባ ሥርሑ ኩሉ አብ ቅድሚ አምላኽ ይገበር።

ናይ አምላኽ ፍርዲ አይኮነን ንሕና ክንፈርሖ ዘሎና። ክንፈርሖ ዘሎና ናታትና ምርጫ ካብኡ ዘርሕቐና እዩ። አብ ብርሃን ወይ አብ ጸላም ክነብር ናትና ምርጫ እዩ። ሎሚ እምብአር አብቲ ጸላም ዝሸፎኖ ጎንና ክነተኩር ግቡእ እዩ። ዝሓለፈ፥ ዘሎ ካብ ካልኦት ሓቢእናዮ እንነብር ሎሚ ክንገልጾ አሎና። ስለምንታይ እዩ ነዚ ነገራት እንሓብኦ። አብ ብርሃን አብ ሓቂ፥ ዝነብር ሰብ ብኹሉ ርእሱ መሊኹ ዝነብር ሓንቲ ዝሓብኦ ነገር የብሉን።

ኒቆዲሞስ ንኢየሱስ ክረኽቦ ከዛርቦ ክሰምዖ አብ ብብሕቱው ጊዜ መጺእዎ። ንኢየሱስ ክትረክብ እሞ ኩሉ ጸገምካ ክተካፍሎ ነቲ አብ ሕይወት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዘጸግምካ መልሲ ካብኡ ክትረክብ ምጽዓር ፍሉይ ትርጉም አብ ሕይወትና የምጽእ። ኢየሱስ አበይ ይርከብ ቦትኡ አቐዲምካ ምፍላጥ። ንኢየሱስ ክትረክብ ብርቱዕ አይኮነን ሓንትስ ፍቓደኛ እኹን እምበር። አብ ወንጌል ዮሓንስ 1፡35~ፍ ዘሎ እንተረአና እቶም ቀዳሞት አርድእቲ ምስረኸብዎ ምሉእ መዓልቲ ምስኡ ውዒሎም ይብለና። ሽዑ ንስብከተ ወንጌል ወፊሮም። ንኢየሱስ ምስ ረኸብካ ምሕዳስ አሎ። ምስኡ ተወሃሂድካ አብ ግራቱ ክትወፍር ፍቓደኛ ትኸውን ግን መጀምርታ ክትረኽቦ ከትዕልሎ አሎካ።

ሎሚ አብ እዋን ጾም ስለ ዘሎና ምቹእ ጊዜ ንኢየሱስ ክንረኽቦን ክነዕልሎን እዩ። ጊዜ ክንፈሊ ኩሉ ልብና ቀልብና አብኡ አተኲርና እነኹ ተዛረበኒ ክሰምዓካ ፍቓደኛ እየ ክንብሎ። ገለ ነገራት ብዓይኒ ሰብ ጥራሕ ምስ ረኣናዮም ይኸብዱና እምብአር ናይ ኩሉ መልሲ አብ አምላኽ ክንረኽቦ ሎሚ እዋኑ እዩ። ምስ አምላኽ አዕሊልካ ትፈልጥዶ/ዲዶ እናበልና እስከ ንሕተት። ብዙሕ ጊዜ አምላኽ ክዛረበና ገለ ክገብረልና ጥራሕ ኢና እንጽበ እቲ ሓቂ ግን ንሕና እውን ክንሰምዖ ክንዛረቦ እሞ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክንገብር ፍቓደኛታት ክንከውን። እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ሎሚ አብዚ ጊዜ ጾም ክንመልኮ ዝግብአና ኩልንትናና ንአምላኽ ክፉት ክንገብር። ሰብ ልቡ ክዓጹ ዝኽእል ፍጡር እዩ። አምላኽ መዓጹ ልብኹም ክፈቱለይ ክልውጠኩም ይብልና አሎ።

ሕይወት ማርያም አብነትና እዩ። ንሳ ካብ ንእስነት ንአምላኽ ክትሰምዕ ሕይወታ ክፉት ገራቶ። ብመልአኹ ገሩ ድላዩ አደ ወዱ ክትከውን ምስ ሓተታ ሓራይ ንሳኻ ዝበልካዮ ይኹነልይ ኢላቶ። ጣዕሚ ወዳን መን ምዃኑን ስለ ዝፈለጠት ኩሉ ጊዜ ምስኡ ትጉዓዝ ነራ። ጨካን ሞት ክመውት እንከሎ አብ መስቀል እንከሎ ምስኡ ኮይና ስቓዩ ተኻፊላ። ነዚ ኹሉ ክትጸውር ዝሓግዛ ንወዳ መን ምዃኑን መንነቱን ስለ ዘላለየት እዩ። እምብአር ንወድኺ ክነለሊ ሓግዝና ንበላ። ጉዕዞ ቀራንዮ ዘይከበድኪ ረዳኢትና ዝኾንኪ አደናን አደ መድኃኒና ሎሚ እውን አብዚ ጊዜ ጸሎት ጾም ተጋድሎ ዝኾነ ሓግዝና። ምስወድኺ ክንዕልል እሞ ከምቲ ኒቆዲሞስ ዓዕሊሉ ዝተለወጠ ክንልወጥ ሓግዝና ንበላ።



አባ ንጉሠ ፍሥሓ










All the contents on this site are copyrighted ©.