2010-03-16 19:44:03

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመበል 25 ዕለተ መንእሰያት


ዝክረ ጥዑም ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝሠረትዎ ዓመት መጸ ብበዓለ ሆሳዕና ዝኸብር ዕለተ መንእሰያት ሎምዘመን ንመበል 25 ጊዜ ብዕለት 28 መጋቢት 2010 ዓ.ም.ፈ ዕለተ ሆሳዕና ክቢሩ ኪውዕል እዩ። እዚ በዓል እዚ ብደረጃ ሰበኻታት ዝግበር ኮይኑ አብ ሰሰለስተ ዓመት ካብ ምሉእ ዓለም ብምትእኽኻብ ዚበዓል ዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት ንዓመታ አብ ማድሪስ ሃገረ እስፓኛ ኪግበር ምዃኑ ሓቢርና ነቢርና።

ነዚ ናይ ሰበኻታት ዓመታዊ ዕለተ መንእሰያት ብዝምልከት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ትማሊ ብወግዒ ከምዝተዘርገሐ ማዕከናት ዜና ቅድስት መንበር አመልኪቶም።

ዝኽበርኩም መንእሰያት ትሕዝቶ ናይዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ናይ መንእሰያት መደብ ቃል ብቃሉ ተርጕምና ከነቅርበልኩም ኢና። ንሎሚ ጽማቍ ናይ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዚስዕብ ነመሐላልፈልኩም።

ቅዱስነቶም በዚ መልእኽቲ እዚ ከመሐላልፍዎ ዝደለይዎ ሓሳብ “ሽሕ እኳ ጸገማት እንተበዝሔ መንእሰይ ሕልናኹም አይተዕርቡ ቀይዲ በተኽ ንዝኾነ ነጻነት ንጸጉ” ብማለት መንእሰይ ትርጉም ክርስትና ክፈልጡን ከዕምቁን ይዕድም።

ቅዱስነቶም ትርጉምን ተልእኾን ክርስትና እንክገልጹ “ክርስትና ብቀዳምነት ዝሠርዖ ግብረ ገብነት ዘይኮነ ምስ ክርስቶስ ምንባርን ምጉዓዝን እዩ፣ ክርስትና ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ብአካል ከምዘፍቅረና ካባኡ እንክንርሕቅ እውን ከይተረፈ ከምዘፍቅረና እነስተማቅረሉ ጉዕዞ ሕይወት እዩ። ምንጪ ናይ ኩሉ ሕይወት ክርስትና ኣብዚ ፍቅሪ እዚ እዩ ዝርከብ፣ እዚ ፍቅሪ እዚ ንኩሉ ፈተናታት ከነሸንፍ ክንዮ ኃጢኣትናን ሥቃይናን ዘየተባብዑ ኩነታትን ክንሓልፍ የኽእለና።” ይብሉ።

ካብዚ ብምንቃል ከአ አርእስቲ ናይ ሎም ዘመን ዕለት መንእሰያት “ሕያዋይ መምህር ሕይወት ዘለዓለም ንኽወርስ እንታይ እግበር” ዚብል ይኸውን። እዚ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 10:17 ተጠቂሱ ዘሎ ሃብታም መንእሰይ ንኢየሱስ ምስ ረኸበ ዘቅረቦ ሕቶ እዩ። ነዚ ርክብ እዚ ክገልጹ እንከለው ቅዱስነቶም “ኢየሱስ ናብ መንእሰያት ክንደየናይ የተኵር ከምዝነበረ የመልክት” ድሕሪ ምባል ናብ ናይ ሎሚ መንእሰያት ኣመልኪቶም ከአ “መንእሰያት ሎሚ እውን ኢየሱስ ብአካል ክረኽበኩምን ምስ ነፍሲ ወከፍኩም ክዋሳእን ዓቢ ሃረርታ ከምዘለዎ ተረድኡ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጠቂሱ ዘሎ ሃብታም መንእሰይ ንስኻትኩም እውን ኣብ ዘየተአማምንን ነውጽን ፈተናን ሥቃይን ዝመልኦ ዓለም ብምህላውኩም ዕዉት ሕይወት ንምንባር እንታይ የድሊ፣ እንታይ ክገብር አሎኒ፣ ናይ ሕይወተይ መደብ እንታይ ኮን ይኸውን፣ ትብሉ ትኾኑ። ነዚ ሕቶታት እዚ ንምግጣም አይትፍርሑ፣ እዚ ሕቶታት እዚ ነቲ አብ ልብኹም ዘሎ ናይ ፍጽምና ሃረርታ እዮም ዚገልጹ፣ ኢየሱስ ከምዝሰምዓኩም ከአ አይትጠራጠሩ።” እንኪብሉ ምስ እዚ ሕቶታት እዚ ናይ ክህነት ምንኩስናን ሓዳርን ጸዋዕታ ከየስታብሃሉሉ ከይሓልፉ እውን የዘኻኽሩ።

ናይ ዘሎና ጊዜ አተሓሳስባ ብኅልፊ ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ነጻነት ብምድላይ ካብ ሞራልን ሥነ ሥርዓትን ሓፈሻዊ ሕግን ብምህዳም ምእንቲ ግዝያዊ ሐጎስ ንዝኾነ ደረት ጠሐስ ዚብል እዩ፣ ኮይኑ ግን እዚ ዓይነት ጉዕዞ ናብ ሓቀኛ ነጻነት አየብጽሕን፣ ንወዲ ሰብ ባርያ ናይ ገዛእ ርእሱ ይገብሮ፣ ባርያ ናይ ግዝያዊ ስምዒት ምርዋይ ባርያ ናይ ሥልጣን ባርያ ናይ ገንዘብ ባርያ ናይ ገደብ አልቦ ምቾት ይገብሮ።

ነዚ እንክብሉ ግን ጸገማት መንእሰይ እውን ይዝክሩ፣ ሎሚ ናብራ መንእሰይ ሕሱም እዩ ዘሎ፣ ሽቅለት አልቦነት ዝስዕቦ ሓቀኛ መሪሕ ብምስአን ርጉጽ መጻኢ ብምስአን ይሳቀ አሎ። ኣብ ካሪታስ ኢን ቨሪታተ ሓዋርያዊት ዓዋዲት መልእኽቶም ዘመልከትዎ ብምዝካር “ንናይዚ ጊዜ እዚ ዝዓበየ ብደሆ ዝኾነ ቀውሲ ቍጠባ መንእሰይ ካብ ምዕቃብ ተፈጥሮ ጀሚርካ ጸጋታት ዓለምና ብማዕረ ምክፋል ንመሐውር ቍጠባ ጥሜት ናብ ምጥፋሕ ምውዓል ክብርን መሰልን ሕይወት ምክልኻልን ንመራኸቢ ብዙኃን ንኃባራዊ ጽቡቅ ምውዳድን ከምዝኾነ፣ ቢሎም ዝጸሓፍዎ ብምዝካር ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ክእለቱን ጥበቡን ብፍቅሪ ከበርክት ተማሕጺኖም።
ጎይታ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዘሕደሮ ውህበታት ከይረስዔ ንኃባራዊ ጥቅሚ ዝተኽእለካ ንምብርካት ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ብዝግባእ ክዅስኰስን ክዓብን አለዎ፣ ነዚ ምስ ዚገብር ከአ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ሕውነትን ፍትሕን ሰላምን ክፈፊ ይኽእል፣ ሽሕ እኳ ጸገማት እንተበዝሔ ካብ ምሕላም ዓዲ አይትውዓሉ፣ “መጻኢ ኣብ ኢድ እቲ ናይ ሕይወትን ተስፋን ምንጪ ሃሰስ ቢሉ ናይ ዚኽእል እዩ” ብማለት ንመንእሰያት ሕይወትን ተስፋን ዓለምና ኪኾኑ ሐደራ ቢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.