2010-03-13 12:53:16

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝዛረቡ እሙናት ካህናት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንጎሆ ናይ ካህን ተኣማንነት ናይ ክርስቶስ ተኣማንነት ነጸብራቕ ብዝብል ኣርእስቲ ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ክህነት ምኽንያት፣ RealAudioMP3 ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ነቲ ናይ ክህነት ዓመት ርእሰ ጉዳይ ቲዮሎግያዊ ትርጉሙ ዘረድእ ንኽልተ መዓልቲ ዘዳለዎ ትማሊ ኣብ ዝተዛዘመ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ዝርከብዎ 700 ተጋባእያን ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝሃቡ ተገሊጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ ነቶም ተጋባእያን ካህናት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና ብምቕራብ ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ምሉእ ውህደትን ምትሕብባርን ዘቕርብዎ ፍጹም ድጋፍን ጸሎትን ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ተመሪሖም ናብ ቅድስቲ መንበር ዝመጹ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናት ተቐቢሎም ንዓለም ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝዛረቡ ካህናት የድልዩ ቢሎም፣ ድንግልናን ገዛእ ርእስኻ ንእግዚኣብሔርን ንደቂ ሰባት ብዘይ ቅድመ ዅነት ምውፋይ ዝብል ክቡር ዋጋ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ካህን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ተዋሳኢ ወለይንተና ንምዃን ዝድርኾ ፈተና ክቃወም ከምዘተሓሳሰቡ ተረጋጊጹ።

ኣብዚ ናይ ክቡር ዋጋ ከይዲ ቅድመ ተኸተል ዝበሃል የሎን ምእማን ዘይምእማን ሓደ ኢዩ ዝብል ኣዛማዲ እናሰጐመ ዝኸይድ ዘሎ እግዚኣብሔር ካብ ማኅበራዊ ኅሊና ቀጺሉ ካብ ናይ ግሊ ኅሊና ዝሓክኽ ባህሊ፣ ካህን በቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበሎ ተልእኾን ሚሥጢረ ጸጋ ተወፋይነት ምእንቲ ዓለምን ሕዝብን ናብ እግዚኣብሔር ዝምህለል ክነሱ፣ ነቲ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ዓብላሊ ተዛማዲ ባህሊ ዝቃወም ብምፍላጥ ይዅን ብዘይምፍላጥ ከይጽንበሮ ኣዚዩ ክጥንቐቕ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብስነ ሓቅነት ኣዕጋቢ ኣገላልጻ ካብ ኢየሱስ ናዝራዊ ብምብጋስ ሚሥጢረ ክህነት ብዘይ ምቁራጽን ቀጻልነት ዘለዎ ምዃኑ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ክርስቶስን ሚሥጢረ ክህነት ዘሎ ብተመሳሳልነት ዘቕርቦ ትርጉም ሚሥጢረ ክህነት ኣብዚ እዋን’ዚ ሕጹጽ ርድኢት ዘድልዮ ምዃኑ ሓቢሮም። ዘመንና ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝዛረቡን እግዚኣብሔር ዘቕርቡን በቲ ቀጻልነት ዘይብሉ ጊዚያዊ ባህሊ ዘይዕብለልን ዘይስበኽን፣ እንታይ ደኣ ናይ እግዚኣብሔር ካብ ምዃን ብዝነቕልን ብዝዕደልን ምሉእ ሓቀይና ናጽነት ተኣሚኑ ገዛእ ርእሱ ኣብ ምውፋይ ዝተግህ ናይዚ ዓይነት ሕይወት ድልው ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ካህን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ እናተፋረቐ ናይ ዝንበር ክህነት መስካሪ ዘይኮነስ፣ በቲ ዝተቐበሎ ጸጋ ምሉእ ሕይወቱን ኣተሓሳስባኡን ኣዘራርባኡን ብዛዕባ ናይ ዓለም ጉዳይ ብዝምልከት ዘለዎ ፍርደኣዊ ኣረኣእያን ኣገልግሎቱን ኣፍቅሮቱን ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብን ብደጋዊ መለለዪኡ ማለት ልብሰ ክህነቱን ናይቲ ዓሚዩቕ ሚሥጢረ ክህነት መስካሪ ክኸውን ኣለዎ። በዚ ዓይነት ኣነባብራ ሚሥጢረ ክህነት ኣብ ሥነ ምዃኑ ዝሰረጸ ከምዝኾነ እናመስከረ ድማ፣ ነቲ ካብ ማኅበራውን ውልቃውን ኅሊና እግዚኣብሔር ክሓክኽ ንዝመጣጠር ዓብላሊ ባህሊ ክቃወም ኣለዎ ኢሎም።

ካህን ከም ሰብ መጠን ድኻምነትን ውሱንነትን እውን እንተሃለዎ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክመስልን ኣብ ናቱ ናይ ምድሓን ሚስጢር ተኻፋሊ ክኸውን፣ ኣግዚኣብሔር ዝሓረዮ ምዃኑ፣ ብዓሚዩቕ እምነት ነቲ ናይ ተወፋይነት ሕይወቱ ክነብር ኣለዎ ኢሎም። ቀጺሎም ፍቑራት ካህናት ይብሉ፦ ዓለምን ሕዝብን ካልእ ኮይና ክንቀርብ ዘይኮነስ ምሉእ ብምሉእ ካህናት ኮይናን ክንቀርብ ኢዩ ዝሓተና ቢሎም፣ ኣብ ከናፍርን ሕይወትን ክህን ቃል እግዚኣብሔር ህልው ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ የረጋገጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.