2010-03-13 12:54:21

ስብከት ካልኣይ ሰንበት ጾም ኣርብዓ


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኔይሮ ካንታላሜሳ ትማሊ ንጎሆ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድኃኔ ኣለም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት RealAudioMP3 ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ስብከት ካልኣይ ሰንበት ጾም ኣርብዓ ከምዘቕረቡ ተረጋጊጹ።

ስብከትን ኣስተንትኖን ኣባ ካንታላሜሳ ክህነትን ጸጋ ሚሥጢረ ቁርባን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኮረ ከምዝነበረ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዘይ ናይ ክርስቶስ ሊቀ ክህናት ካህንን ቤተ ክርስትያንን ዝነብርዎ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውፋይን ሕይወት፣ ቅዱስን ነእግዚኣብሔር ደስ ዘብልን ኣይምኾነን። ናይ ኢየሱስ ውፉይ ሕይወት ኣካል ዝኾነት ቤተ ክርስትያን፣ ብዘይ ናይ ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ድሕነት ክትረክብ ዘይኮነስ ክትቕበልን ከተበጽሕን ምልኣት ዘይብላ ዘይብቕዕቲ እውን ምኾነት ኢሎም።

ክርስቶስ “እዚ ምእንታኹም ዝውፈይ ሥጋይ ኢዩ፣ ብልዕዎ” ክብል እንከሎ ምሉእን ጭቡጥን ሕይወቱ፣ ማለት እቲ ዝኾኖን ዝነበሮን ብሓፈሻኡ ምሉእ ኅያውነቱ ኢዩ ዘቕርበልናን ዝዕድለናን። እዚ ምእንታኹም ዝፈስስ ደመይ ኢዩ፣ ስትሰይዎ” ክብል እንከሎ ሞቱ የወፍየልን፣ ስለዚህ ይብሉ ኣባ ካንታላሜሳ ቅዱስ ቁርባን ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርኢ ሞትን ሕይወትን ኢዩ። እዚ ቃልን ትርጉምን ቁዱስ ቁርባን፣ ካህን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ክነብሮ፣ ማለት ዕለታዊ ሕይወቱን ተልእኾኡን ድኻሙን ሓጎሱን ሓዘኑን፣ ኮታ ሥርዓት ቅዳሴ ከዕርግ እንከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኵላዊ ምዃኑ ኣብ ክርስቶስ ገይሩ የወፍይ። ቅዱስ ቁርባን ፍረ ጻዕሪ ኢዩ፣ ከምቲ ሥራሕና ፍረ ጻማ ዘውህበና፣ እቲ ረሃጽናን ጻዕርናን ድኻምናን ውጽኢት ኮይኑ ናባና ይምለስ፣ እዚ ድማ ቁዱስ ቁርባናዊ ሕይወት የስምዕ ኢሎም።

ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ሰብነት/ኣካል ፍጥረት ሰብ ናይ ስምዒት መርወዪ መጋበርያ ኮይኑ ክምዝመዝን፣ ንዕዳጋ ክወርድን፣ ናይ ህርፋንን ፍትወት ሥጋን መሣርሒ ኮይኑ ይርኤ ከምዘሎን ድማ ጠቒሶም፣ ካህን፣ ሕዝቢ ብሕልፊ ድማ መንእሰያት ምዃኖም፣ ሰብነቶም ናይ ሥጋዊ ፍትወት መሣርሒ ከይገብርዎ ክርስቶስ ኣብ ቁዱስ ቁርባን እዚ ሥጋይ እዚ ደመይ ኢዩ ዝብሎ ትርጉም ሕይወት ቅዱስ ቁርባንነት ከስተምህርን ከረድእን ይግባእ ምስ በሉ፣ ካህን ኣብ ሥርዓት ቅዳሴ ምስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ እናወፈየ ብሕይወትኩም ንእግዚኣብሔር ወድስዎ ዝብል ቃል ወንጌል እንታይ ማለት ምዃኑ የረድእ። ስለዚህ ሕይወት ናይ መርወዪ ድላይ መሣርሒ ዘይኮነስ፣ ብሚሥጢረ ተክሊል ናይ ዘተ መሣራሕን ሕይወት ዘመሓላልፍን ኣብ ዝውፈይ ናይ መናንያን ሕይወት ድማ መሥዋዕቲ ኮይኑ ምእንቲ ኣሕዋት ዝውፈይ ሕይወት ይኸውን። ሕይወትና ብዓይኒ ቅዱስ ቁርባን ክንትርጉሞ እንከሎና ብሓቂ ይልወጥ ከምዝበሉ ተረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.