2010-03-11 13:44:59

ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.


ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ሮማ ሰበኻ ዘዳለዎ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ዘማእከል ብዛዕባ ስነ ኤኮኖምን ዕዳጋን ማኅበራውን ጉዳይ RealAudioMP3 ዝዳህሰስ ዓወደ መጽናዕቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ከምእተኻየደ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣዘኻኺሩ። ምዕባለ ኤኮኖምን ኅብረተሰብን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ተጀሚሩ፣ ኣብ ቦሎኛ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ፖሊቲካ ኤኮኖሚ መምኅር ስቴፋኖ ዛማኚ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብንጹር ተሰሚሩሉ ዘሎ ስነ ሓሳብ ዕዳጋን ማሕበራዊ ጥቕምን ብምቅላሕ፣ ኅልው ኩነታት ከይዲ ኤኮኖሚ ተንቲኖም፣ ኣብ ስነ ምግባር ዘማእከል ኤኮኖሚ ጥራሕ ኢዩ ምዕቡል ኤኮኖሚ ከምዝበሉ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣመልኪቱ።

ኤኮኖምን ማኅበራዊ ሕይወትን ክፈላለ ከምዘይብሉን፣ ከይሠራሕካን ከይረሃጽካን ሃብታም ንምዃን ዝብል ኣዚዩ ኣብ ጉዳይ ኤኮኖሚ ዝተኣታተው ዘሎ ኣተሓሳስባን፣ እዚ ድማ ናይ ቁጠባ መምርሒ እናኾነ ዕዮ ወይ ድማ ሥራሕ ዘየተባብዕን ሥራሕ ዘለዎ ክብር ዋጋ ኣትሒቱ ዝርእይ ኮይኑ፣ መደለቢ ረብሓ ጥራሕ ኮይኑ ከምዘሎን እዚ ከይዲ ኤኮኖምን ቁጠባን ዓለምብ ሕዝቢ ዓለምን ናበይ ከምዘብጽሖ ዝርኤ ዘሎ ጭቡጥ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ይምስክሮ ከምዝበሉ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።

ዕዳጋ መዋቕራዊ ክኸውን ከምዘለዎን ናይዚ ሓቂ’ዚ ቀዳሞት መምሃራኑ ድማ ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ነዓዑ ዝሰዓቡ ገዳማውያን ኢያቶም፣ ብሓቂ ኤኮኖሚ ከምቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ትምህርቲ ኤኮኖሚ፣ ማኅበራዊ ጥቅሚ ኣብ ዝብል ኣረኣእያን ተግባርን ክምሥረትን ክደራጀውን እለዎ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣረጋጊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.