2010-03-11 13:43:39

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቅዱስ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ


ማእከላውነትን ኣገዳስነትን እዋናውነትን ቅዱስ መጽሓፍን ምስፍሕፋሕ ቃል ኣምላኽን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ቅዱስ መጽሓፍ ብመልክዕ ስነ ቃላዊ RealAudioMP3 ስነ ጽሑፋውን ስነ ታሪኻውን ኣተረጓጉማን ርድኢትን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ በቲ ትኽክለይና ትምህርትን መምርሕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መሠረት ንምርዳኡን ንምስትንታኑን ንምብጻሑን ማለት ንምስባኹን ንምስትምሃሩን ዝሕግዝ “ቃል ኣምላኽ ብዓይኒ እቲ 2008 ዓ.ም.ፈ. ዝተኻየደ መበል 12 መደበይና ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤቶሪቪች ዝደረስዋ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመት መጽሓፍ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ኣዳራሽ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ንንባብ ከምዝቐረበት ተሓቢሩ።

ቃል ኣምላኽ ከምቲ ጎቦ ጽዮን ዝድርጉሔ መብረቕን ከምቲ ጥዑምን ህዱእን ንፋስን ኮይኑ ነቢይ ኤሊያስ ኣብ እምባ ኦረብ ዝሰመዖን ጽን ዝበሎን ዝተኸተሎን፣ ሎሚ ብዝያዳ ናይ ሕይወትን ተልእኮ ቤት ክርስትያን መሠረትን ንእግሪ መብራህትን ንመንገዲ ብርሃንን መግቢ እምነትን ኢዩ፣ ስለዚህ ብዝያዳ ጽን ክበሃልን ክንበብን ዘለዎ ዓሚዩቕ መንፈሳውነት ስነ ትርጉሙ ምስትውዓሉን ምኽታሉን ከምዘድሊ ብሰፊሕ እተረድእ መጽሓፍ ምዃና እንክፍለጥ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኤተሮቪች እታ መጽሓፎም ንንባብ ኣብ ዝቐረበትሉ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ እዛ መጽሓፍ እቲ ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ቃል ኣምላኽ ኣብ ስብከትን ቅዱስ መጽሓፋዊ ንባብን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተመርኵይዙ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መበል 12 ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዘቕረቦ ሰነድ ብቑዱስ ኣቦና ዝጸደቐ ውሳኔታቱ ዝተኽተለ ኢዩ ኢሎም።

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ብሉጽ ሥፍራኡ ሊጡርጊያን ኣብ ሥርዓት ቅዳሴ ዘሎ ጊዜ ስብከትን ምዃኑ ከምዘመልከቱ ብፅዕ ኣቡነ ኤቶሮቪች ዘኪሮም፣ ቅዳሴ ቃል ኣምላኽ ዝእወጀሉን ዝስተንተነሉን ዝጽለየሉን ዝስበኸሉን ብሉጽን ቅዱስን ሥፍራ ኢዩ። ስለዚህ ይብሉ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ኣብ ቅዳሴ ዝተማእከለ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ንቕዳሴ ቅድሚ ምኻድ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ቤትካ ብጸሎት መንፈስ ምንባብ ኣገዳስን ኣድላዪን ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዝሃብዎ መተሓሳሰቢ ዝነበረን ዘሎን ክህሉ ዝግብኦ መንፈሳዊ ምድላው ኢዩ። ብሓፈሻኡ ሕይወት ክርስትያን ምስ ቃል ኣምላኽ ዝተኣሳሰረ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ቅዱስ መንፈስ ነቲ ቃል ኣምላኽ እዋናውነቱ እናረጋገጸን ኣብ ናይ ሎሚ ሕይወት ቤተ ርክስትያንን ክርስትያንን ኅያው ኣናገበረ ንዅላትና ይዛረበናን ዘይጽንቀቕ ማይ ሕይወት እንሰትየሉን ተልእኮ ዕርቅን ፍትሕን ስላምን ዘተባብዕ ዘለዓለማዊ ቃል ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.