2010-03-09 13:38:25

ገምጋም ዝንባሌ ውጽኢት ሕዝባዊ መረጻ ዒራቕ


ኣብ ዒራቕ ቅድሚ ትማሊ ናይዛ ሓገር ሕዝባዊ ባይቶ ንምሕዳስን ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ፣ ኣብ ከባቢ ሺዓውያን ናይ ኣገልግሎት ዓመታቶም ዘብቕዑ ዘለዉ ንምርጫ ዝቐረቡ መራሔ መንግሥቲ RealAudioMP3 ኣል ማሊኪ ሰፊሕ ድምጺ ከምዝረኸቡ እንክንገር ኣብ ከባቢ ሱኒት ሕጹይ ተመራጺ ኣላዊ ሰፊሕ ድምጺ ከምዝረኸቡ ዝቐርብ ዘሎ ገምጋሚ ዝንባሌ ሕዝባዊ መረጻ የረጋግጽ።

ነቲ መደብ ሕዝባዊ መረጻ ንምስንኻል ናይ ዓልቃይዳ መጥቃዕትን ፕሮፓጋንዳን በዲሑ ኣብቲ ሕዝባዊ መረጻ ናይ ምምርጻ መሰል ዘለዎ ሕዝቢ ዒራቕ ብልዑል ተሳታፍነት ከምእተዋስኤን ተገሊጹ። ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሄር ባራክ ኦባማ እቲ ኣብ ዒራቅ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ዓወት ሕዝቢ ዒራቕ ኢዩ እንክብሉ ከምዝገለጸዎ ተሃቢሩ።

ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ናፖሊ ዳግማዊ መንበረ ጥበብ ናይ ታሪኽ ምስልምና ሃገራት መምህር ናይ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰሮ ሚረላ ጋለቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ሕጂ እውን ናይ ዒራቅ መጻኢ ጉዳይ ናይቲ ዝርኤ ዘሎ ብርቱዕ ውጥረት ጽልዋ ዘለዎ እውን እንተኾነ፣ እቲ ዝተፈጸመ ሕዝባዊ መረጻ ናይ ዒራቅ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ዘተባብዕ ኢዩ። ኣብ ማዕርነት ዝተመርኰዘ ሥርዓት ሕጊ መረጻ ዝተኸተለ እውን ኢዩ ኢለን፣ ውጽኢት ናይቲ ከይዲ ሕዝባዊ መረጻ ብትዕግሥቲ ምጽባይን፣ ድላይ ሕዝቢ ዝሓርዮ መንግሥቲ ክቐውም ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዒራቕ ብርእሳ ኪኢላ ደው ክትብል ኣብ ምግባር ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊቲካዊ ኣሠራርሓ ክርከብ ዝግበሮ ዘሎ ውጽኢት ኢዩ። ዒራቕ ንዒራቓውያን ንምርካብ እውን ድላይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኢዩ፣ ነዚ ንምትግባር እውን ዓቢ ጻዕሪ የካይድ ኣሎ እንክብላ ዝሃበኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።







All the contents on this site are copyrighted ©.