2010-03-09 17:33:49

ናይ እግዚአብሔር ፍትሒ ፍቅሪ እዩ።


አብ መፋርቅ ዘመነ ጾመ አርብዓ ኣብ ንርከበሉ ጊዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስተንትንዎ ትርጉም ልባዊ ንስሐ ከነተኵር ከምዝግባእ ተመልኪቱ።

ቅዱስ አቦና ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ቍምስና ቅዱስ ዮሐንስ ዘመስቀል አብ ዝገበርዎ ሐውጾተ ኖልዎ “ኣብ ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ነፍሲ ወከፍና ሕይወትና ንኽንልውጥ ብእግዚአብሔር ንዕደም” እንክብሉ ትርጉም ጸመ አርብዓ ገሊጾም። እዚ ጊዜ እዚ ንቃል እግዚአብሔር እናአስተንተናን ብአኡ እናነበርናን ንንስሐሉን ሕይወትና እነሐድሰሉን ዝበለጸ ጊዜ እዩ።

አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኵልና በዲልና ኢና፣ ብዓይኒ ፍትሒ ክንኵነን እዩ ዚግባእ፣ ፍትሒ እግዚአብሔር ግን ፍቅሪ ስለዝኾነ ከም በደልና ዘይኮነስ ብዓይኒ ምሕረቱ እዩ ዚጥምተና፣ ሰብ ዕዳ እንከሎና ነጻነትን ሐርነትን ሂቡ ናባኡ የቅርበና።

ቅዱስነቶም ነዚ መሠረት ብምግባር ኣብ መንፈቅ ዘመነ ጾመ ኣርብዓ ነፍሲ ወከፍና ናብ ትንሣኤ ክርስቶስ ብምትኳር ምሳኡ ንምትንሣእ ጉዕዞና ገምጊምና ብዕምቆት እነስተንትነሉ ጊዜ እዩ። ሐሙዅሽቲ አብ ርእስና ብምንስናስ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ፍረኡ በዚ እዩ ዚግለጽ፣ ናይ ሐቀኛ ንስሐን ለውጢ ልብን ተሓድሶን ምልክት ከአ አብ ናይ ዕለት 17 የካቲት ሐፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዚ ኪብሉ ገለጽዎ፦ “ኩንተይ ዝፈልጠሉ ትሕትና መሠረታዊ ነገር እዩ፣ ኩነተይ ተነካኢ ፍጡር ድኹም ካብ መሬት ዝተሠራሕኩ ናብ መሬት እውን ዝምለስ ምዃኑ ኮይኑ ግን ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጠርኩን ከማኡ ክኸውን እውን ዝተወሰንኩ ምዃነይ ንምፍላጥ ትሕትና የድልየኒ። ሐመድ እየ፣ እዚ ሓመድ እዚ ግን ዝተፈቅረ ብፍቅሪ አምላኽ ዝተሠርሔ ብእስትንፋስ እግዚአብሔር ሕይወት ዝረኸበ ድምጺ እግዚአብሔር አለልዩ ክሰምዕን ክምልሰሉን ዝኽእል፣ ነጻነት ስለ ዝለበሰ ኸአ ብፈተናታት ትዕቢትን ርእሰ ምትእምማንን ተሸኒፉ ምእዛዝ ክአቢ እውን ይኽእል፣” እንኪብሉ ባህርየ ትስብእትን ጸገማቱን ብምግላጽ እዚ ግዜ እዚ ተጻይ እዚ ፈተናታት እዚ ብምጉዓዝ መንገዲ ሕይወትና እንቀንዓሉ እዋን ምዃኑ ገሊጾም።

አብ ናይ ዕለት 21 የካቲት ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ አስተምህሮ እውን ከምዚ ቢሎም፦ “ ዘመነ ጾመ አርብዓ ብምስትምሳልን ብትዕቢትን እንመላለሰሉ ግዜ ዘይኮነስ ምስ ክርስቶስ አብ መንፈሳዊ ሥቃይ እንነብረሉ ጊዜ እዩ፣ ኣብዚ ገድሊ እዚ ከም መጋበሪ እንጥቀመሎም ናይ እምነት አጽዋር ጸሎት ቃለ እግዚአብሔር ምስማዕ ንስሐን እዮም፣ በዚ መንገዲ እዚ ኣብ ጥምቀትና ዝአቶናዮ መብጽዓ ብምሕዳስ ንትንሣኤ ብሐቂ ከነብዕሎ ንኽእል” እንኪብሉ ካብ ብጥምቀት ዝተወለድናሉ ግዜ ጅሚርና ክሳብ ሎሚ ዘሕለፍናዮ ሕይወት ብምስትንታን ንፋሲካ ብሓቂ ከንብዕሎ እንተዀናን ምስ ክርስቶስ ተንሢእና ክንክእልን ክንሳሕን ክንሕደስን ሕጂ ጊዜኡ ምዃኑ ሐቢሮምና።

ስለዚኸስ ጊዜ ከሎካ ጊዜ ዘይምጽባይ ጽባሕ ካብ ምጥዓስ ነዚ አብ ኢድና ዘሎ ጊዜ ክንጥቀመሉ ነስተውዕል እዩ እቲ ነገሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.