2010-03-06 13:58:24

ስብከት ቀዳማይ ሰንበት ጾም ኣርብዓ


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኔይሮ ካንታላሜሳ ትማሊ ንጎሆ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድኃኔ ኣለም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ላዕለዎት ተሓባበርቶም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ስብከት ቀዳማይ ሰንበት ጾም ኣርብዓ ከምዘቕረቡ ተረጋጊጹ።

ሰባኪ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካንታላሜሳ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ኣብ ቃልን መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ፍልልይን፣ ካኅን ሠራዕን ዓዳልን ኣብጻሕን ሚስጢረ እግዚኣብሔር ኣብ ዝብል ኣስተምህሮ ዝተመርኰዘ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተነጸረ ኣብ ቃል ዝተመሥረተ ቃል ኪዳን፣ እዚ ድማ ኣብ ሕገ ሙሴ ዝተቐረጸን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተገልጸ ቃል ኪዳን ቅዱስ መንፈስ ማለት እቲ ኣብ ልቢ ዝተቐረጸን ኣብ መንጎ እዞም ዝተኣትዉ ክልተ ቃል ኪዳን ዘሎ ፍልልያት፣ ክገልጹ፣ ክሊቲኣቶም ቃል ኪዳን፣ ክርስትና ካብ ካልኦት ሃይማኖት ፍልይ ዘብሎን ፍሉይ ዝገብሮን መለለይኡ ኢዩ ኢሎም። እቲ ሓድሽ ሕጊ ካብ ሞትን ትንሳኤን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝውሕዝ ጸጋ ንሱ ድማ ሓድሽ ሕይወት ማለት ኢዩ ኢሎም።

ዝኾነ ሃይማኖትን ናይ ሃይማኖት ፍልስፍናን ሰብ ንኽድሕን እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ዝሕብር ኣብ ሕጊ ዝቖመ ትእዛዝ ስቕርብ ኢዩ፣ ክርስትና ግን ሰብ ክገብሮ ካብ ዘለዎ ዝነቕል ዘይኮነስ፣ እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ ካብ ዝገበሮ ዝብገስ ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከቱ እንክጅምር ተነስሑ ተለወጡ ካብ ዝብል ሕጋዊ መልክዕ ካብ ዘለዎ ትእዛዝ ዘይኮነስ፣ ንስኻትኩም ከይሓተትኵምዎ ብናጻ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልኩም ወሪዱ፣ ድሕሪ ምባል እቲ ተለውጡ ዝብል ኣብ ወንጌል እምኑ ካብ ዝብል ጻውዒት የበግሶ። ቅድም ምልዋጥ ድሓር ድማ ድሕነት ዘይኮነስ፣ ድሕነት እግዚኣብሔር ጸጋ ኮይኑ ናባና መሪዱ፣ ካብዚ ቀጺሉ እቲ ምልዋጥን ኣብ ምልዋጥ ዘሎ ግድነት የቕርብ። ኣንሕንና እነፍቅር ብመጀመሪያ እግዚኣብሔር ስለ ዘፍቀረና ኢዩ፣ እዚ ጸጋ ፍቕሪ ኢዩ፣ እቲ ክንገብሮ ዝግብኣናን ክንፍጽሞ ዘሎና ግቡእነት ዘመልክተና እምበር፣ ቅድም ግቡእነት ኣይኮነን ዘቐድም፣ እዚ ድማ ሓድሽ ኪዳን ዘቕርቦ ማለት እግዚኣብሔር ኣፍቅር ብጻይካ እውን ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ኢዩ። ሕጊ መንፈስ ቅዱስ ብጸቢብ ኣገላልጻ ኢየሱስ ትምህርተ ብፅዕና ኣብ ዝመሃረሉ እምባ ዝኣወጆ ዘይኮነስ፣ እቲ ኣብ በዓለ ሓምሳ ወይ ድማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ቅርጺ ዘትሓዞ ኢዩ። ናይዚ ኅያዋን መሰኻኽር ድማ ድቀ መዛሙርቱ ኢያቶም፣ ካብ ኣፍ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌላውያን መምርሕታት ሰሚዖም፣ ንኣብነት እቲ ቅድሚት ክኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዅሉን ኣገልጋሊ ኵሉን ይኹን ዝብል ምጥቃስ ይከኣል፣ ስለምታይ ኣብ ልቢ ደቀ መዛሙር መን ኢዩ እቲ ቅዳማይ ዝብል ሕቶ ይመላለስ ኔሩ ኢዩ፣ ኢየሱስ ድማ እዚ ሓድሽን መሠረታዊ ለውጢ ዝኾነ ሓድሽ ትእዛዝ ባዕሉ ለቢሱ እናተግበረ የቕርበሎም። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ወረደ ነቲ ትእዛዝ ተረዲኦም ገዛእ ርእሶም ኪሒዶም ዕቤት ዕዮ ኣምላኽ ጥራሕ ከበሥሩ ይርከቡ።

እቲ ሓድሽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሕጊ፣ ብፍቕሪ ኢዩ ዝንቀሳቐስን ዝትግበርን፣ በቲ እግዚኣብሔር ንዓና ብዘፍቀሮ ፍቕሪ ንዓኡን ንብጻይናን እነፍቅር። እዚ ድማ ሓድሽን ዓሚዩቕን ትርጉም ፍቕርን ሓይሊ ፍቕርን ኢዩ።

ፍቕሪ እቲ ዝዓበየ ሕጊ ኢዩ። ስለምታይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሕጊ ስለ ዝኾነ። እምበኣርከስ ኣብ ክርስትና እዚ ሕጊ’ዚ ኢዩ ፈጸምቲ ድላይ እግዚኣብሔር ዝግበር። ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝገብር ጥራሕ ኢዩ፣ እግዚኣብሔር ዘፍቕሮ ከፍቕር ዝኽእል፣ ብሓይሊ ዘይብል ግድን ዘይብሉ ዝማርኽ ፍቕሪ ኢዩ። ክርስትያን እዚ ዓቢይ ዝተረጋገጸ ፍቕሪ ፈጻምን ኣብ ግብሪ ዘውዕልን ኢዩ ኢሎም።

እምበኣር ካህን ይብሉ ኣባ ካንታላሜሳ፣ ነኅዋት ክርስትና ሰረት-እምነት ዘይኮነስ ኣካል ምዃኑ ነዚ ሓድሽ ጸጋ ክነብሩ ገዛእ ርእሱ እናነበሮ ዘስተምህር ገዛእ ርእሱ ዘጉልሕ ዘይኮነስ እቲ መፈጸምታ ዘይብሉ ጽባቔ ክርስቶስን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣግርሞት ዘብጽሕ እዚ ድማ ብስገዳድ ዝቕርብ ኣይኮነን፣ እቲ ናይ ዘመንና ዓቢ ፈተና ኮይኑ ዘሎ ዝኾነ ይዅን ሰብ ብገዛእ ርእሱ ዝድሕን ኢዩ ዝብል ዝስፋሕፋሕ ዘሎ እመለኻኽታ ኢዩ፣ ምድሓና ወይ ድማ ድሕነትና ግን ኣንሕና ኣይኮናን ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.