2010-03-04 14:08:15

ዒራቕ፣ ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክስ ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን


ኣብ ዒራቕ ዝፍጸም ዘሎ ጸረ ክርትያን ዓመጽ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክድረትን ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ዘለዓዕሉን ናይዚ ተግባር ተሓተቲ ክልለዩን፣ ኣዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክግታእ መንግሥታት RealAudioMP3 ዝከኣሎም ክገብሩ ናይ ኣንጺዮኪያን ናይ መላእ ምስራቕን ናይ መላእ ናይ ሶሪያ ሥርዓት እትኽተል ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዋይ መራሒ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ሞራን ምር ኢግናዚዩስ ዛካ ቀዳማይ ኢዋዝ ከምዝሓተቱ ናይታ ቤተ ክርስትያን መርበብ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ኩለን ሃገራት ብፍላይ ድማ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሃገራት የዕራብን ዓረብ ሊግን ማኅበረሰብ ዓለምን እቲ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ ክኹንን ኣብ ምውጋዱ መዳይ ብትግሃት ክዋፈሩን ናይ ሰላምን ስኒትን ባህሊ ከነቓቕሑ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ሞራን ማር ኢግናዚዩስ ዛካ ከምዝሓተቱን እቲ ኣብታ ሃገር ተለዓዒሉ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ፣ ዒራቕ ኣልቦ ዜጋታት ማኅበረ ክርስትያን ክትከውን ዝሓቀነ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዶ ይኸውን? መግንሥቲ ነዚ ዓመጽ ንምውጋድ ዘይምኽኣሉ እንታይ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራብ መንግሥቲ ነቲ እከይ ተግባር ክኹንን ጥራሕ ዘይኮነስ ተሓተትቲ ግቡዕ ፍርዶም ንኽረኽቡ ናይ ዜጋታት ጸጥታን ደሕንነት ውሑስ ናይ ምግባር ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ ከምዝበሉ ተረጋጊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ዒራቕ እቲ ለብዘበን ዕለት 7 ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ምኽንያት ኣብ መሱል ዝነብሩ ሓደ ሓደ ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ኣፈት ቤቶም ከይትሳተፉ ድምጽኹም ክትህቡ ተንከስ ከይትብሉ ዝብል ናይ መፈራርሒ መልእኽቲ ተቐሚጡ ከምዝረኸቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሠረት ገይሩ ካብ ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብዝተኸስተ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ 870 ክርስትያን ስድራ ቤት ካብ ከተማ ሞሱል ከምዝወጹን መብዛሕቲኦም ድሕሪ እቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምረጻ ምዝዛም ናብ ቤቶም ይምለሱ ይኾኑ ዝብል ግምት እውን ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ካብ ድምጺ ምሃብ ክዕቀቡ ዘገድድ ሥርሒት ምዃኑን ነዚ እክይ ተግባር ዘረጋግጽ ምልክታት እውን ብተደጋጋሚ ይርኤ ከምዘሎ ይንገር።

ብጠቕላላ ተመረጽቲ ካብ ዘቕረባ 306 ዝርዝራት ተመረጽቲ፣ ኣብቲ 325 ኣባላት ዝሓቍፍ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባላት ንምዃን ዝውድሩ 6, 200 ሕጹያት ተመረጽቲ ክምዘቕረቡን፣ ካብዚኣቶም ድማ 48 ክርስትያን ከምዝኾኑን፣ ካብቲ ዝርዝራት ተመረጽቲ ውሽጢ 6 ብዕሊ ናይ ክርስትያ ዝርዝራት ከምዝኾነን፣ እዞም ሽዱሽተ ከምቲ ናይ ዒራቕ ሕገ መንግሥቲ ዝእዝዞ ኣብቲ ሕዝባዊ ባይቶ 5 ናይ ዒራቕ ውሁዳን ማኅበረሰብ ዝውክሉ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ውሳኔ መሠረት ዝውድሩ ምዃኖም እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.