2010-03-04 14:04:30

ናይ ሃይማኖት መግለጺ ምልክት

 


ኣብ ስትራስበርግ ዝርከብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ሃይማኖት መገልጺ ምልክት ከይስቀል ዘመሓላለፎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ኢጣሊያ RealAudioMP3 ኣብ ናይ መንግሥቲ ቤት ትምህርቲታት መስቀል ከይህሉ እንክብል ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዕለት 3 ዝሃቦ ውሳኔ ብምቅዋም ካብ ኢጣሊያ ንዝቐረበ ሕቶ ይግባይ ትማሊ ከምእተቐበሎ ተገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንኢጣሊያ ናይ ይግባይ ሕቶ ተቐቢሉ እወታዊ መልሲ ከምዝሃበሉ ምስ ተሓበረ ካብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ማኅበረ ክርስትያንን ናይ ቤተ ክርስትያን ተቛማትን ከምዘሐጎሶን ክንገር እንከሎ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ኣልዶ ጆርዳኖ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ስትራስበርግ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣቲ መስቀል ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ከይስቀል ዝብል ቅድም ክብል ተዋሂቡ ንዝነበረን ብዙሕ ዘካትዔን ውሳኔ ዝቃወምን ከምዝኾነን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ክጽበይዎ ዝጸንሑ ኢዩ፣ ናይ ሕዝቢ ባህልን መንነትን ዘኽብር ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ታሪኽን ባህልን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ክኽበር ከምዘለዎ ዘመልክት ኢዩ ኢሎም። ዜጋታት ብፍላይ ድማ ማኅበረ ክርስትያን እቲ ናይ እምነት ምልክት ዝኾነ መስቀል ዓሚዩቕ ትርጉሙ ክርድእዎን ኣተሓሳሲቦም መስቀል ብሰብኣዊ ዓይኒ እውን እንተሪኢኻዮ ብትኽክል ምልክት ጸረ ኣድልዎን ጸረ ዓሌታውነትን ኢዩ ምስ በሉ፣ ብሓቂ ናይ ነጻነት ትእምርቲ ኢዩ፣ ስለዚህ ንዝኾነ ካልእ ሃይማኖት ተጻይ መልእኽቲ ሓዘል ኣይኮነን ኢሎም።

ኤውሮጳ ናይ ነጻነት ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ናይ ፍቕርን ሓቅን ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ጽምኣት እግዚኣብሔር ከምዘለዋ ብቐረባ ከምእተረድኦን፣ ክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ተራ ዘለዎን ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ ኅላዌኡ ጭቡጥ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.