2010-03-04 14:07:03

ቺለ፣ ርእደ መሬት


ኣብ ቺለ ብጠንቂ ርእደ መሬት 800 ዝግመት ሕዝቢ ናይ ሞት ልዕሊ 500 ዝግመት ድማ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶን ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብዘይ ቤትን ንብረትን ክምዝተረፈን RealAudioMP3 ናይ ሳላሳ ምሊያርድ ኪሳራ ከምዘስዓበን መንግሥቲ ቺለ ዝቕረቦ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ ዝሓለፈ ናብ ቀዳም ዘውግሕ ለይቲ ዝወረደ 8.8 ሬኽተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ቺለ ንኻልእ ዝተፈላለየ ማኅበራዊ ሓደጋ የቃልዓ ከምዘሎ ይንገር።

በጉልባብ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘረፋን ስርቅን ከምእተዋፈሩን እዚ ድማ ኣብ ኮንሰፕሲዮን ዝተራእየ ማኅበራዊ ሁከት ዘተባብዕ ተግባር ንምድራት መንግሥቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣዕጋቢ ውጺኢት ከምዘርከበን እንክንገር፣ ኃይሊ ጸጥታን ኣባላት ኃይሊ ምክልኻል፣ ጸጥታን ደህንነትን ንምርግጋጽ ኣብ ዋና ዋና መንገድታት ከምእተዋፈሩን፣ መንግሥቲ ዘመሓላለፎ ናይ ሰዓት እቶ እቶ ውሳኔ ገደብ ከምእተናውሔ እውን ተሓቢሩ።

ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ነቲ ብርእደ መሬት ዝተጎድኤ ሕዝቢ ደገፍ ኣብ ምቕራብ ይረባረብ ከምዘሎን ብራዚልን ኣርጀንቲናን ፐሩን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቕረባን እንክንገር፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዋና ጸሓፊት ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ቺለ ናይ ሓጺር ሰዓታት ምብጻሕ ገይረን ንመንግሥቲ ቺለ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ሰብኣውን ንዋታውን ደገፍ ከምዘረጋገጻ ተሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቺለ በቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበር ገይራ ዓቢ ደገፍ ተቕርብ ከምዘላ ናይ ሳንቲያጎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስኮ ኻቪየር ኤራዙሪዝ ኦሳ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ረዲኤት ናይ ምቕራብ መደብ ቁምስናታት እውን ይዋስኣ ከምዘለዋ ኣረጋጊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.