2010-03-04 16:47:38

ቤተ ክርስትያን ንምኽርታት ወንጌል ትከተል


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ ዝሃበዎ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ቅዱስ ቦናቨንቱራ: ናይ ማኣከላይ ክፍለ ዘመን ቅዱስ መንኮስ ትምህርትን ሕይወትን ብምምልካት ሎሚ እውን እንተኾነ አሠር ቅዱስ ቦናቨንቱራ ብምስዓብ ናይ መንፈሳዊ ሕይወትና መሪሕ ዝኾኑ ምኽርታት ወንጌል ዝተመሥረተ ሕይወት ንጽሕናን ድኽነትን ተአዝዞን ክትክተል ሐደራ ድሕሪ ቢሎም ንሰበኽ ሳግማዊ ናብራ ዘለዎም ጂፕሲ ብዝርኢ እውን ቈላሕታ ክግበረሎም ተማሕጺኖም።

ቅዱስነቶም ሕይወትን ትምህርትን ናይዚ ዓቢ ሊቅ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ቅዱስ ቦናቨንቱራ በዓል ባኞረጆ ብምትንታን ንመንፈሳውነት ፍራንቸስካውያን ዘወሃሃደን ትርጉም ዝሃበን ጽኑዕ መሠረት ዝኾነን ዓቢ ቅዱስ ምዃኑ ዘኪሮም። ቅዱስ ቦናቨንቱራ ሕያዋይ ሰብ ተፈታዊ መንፈሳውን መሓርን እዮም ነሮም፣ ብጸጋ ምሉእ በእግዚአብሔርን ብሰብን ዝተፈትው ነሮም። አብ ማእከል እምነትን ባህልን ውህደት ንኽእሉ ዝጸዓሩ ናይ ግብርን አስተንትኖን ሰብ ነሮም፣ እንክብሉ አብ ዝሓለፈ ዓመት አብ ገዳም ባኞረጆ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ብምዝካር ካብ ጊዜ ንእስነቶም አትሒዞም ፍሉይ ፍቅሪ ቅዱስ ቦናቨንቱራ ከምዝነበሮም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም። “ብዛዕባ እዚ አርእስቲ እዚ እንከውክእ ብንእስነተይ ብዛዕባ እዚ ሊቅን ቅዱስን ዝኾነ ሰብ ንምፍላጥ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ ትዝ ይብለኒ። ንቅዱስ ቦናቨንቱራ ምፍላጥ አብ ኩስኰሳ መንፈሳዊ ሕይወትይ ዓቢ እጃም ነርዎ። ቅዱስ ቦናቨንቱራ አብ ንኡስ ዕድመኣኦም ናብ ሞት ዘገማገመ ሕማም ምስ አጋጠሞም አዲኦም ናብ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል አሲዚ ምእንታኦም ምስ ጸለያ ከምዝሓወዩን ብድሕሪኡ ሕይወት መነኮሳን አኃው ካፑቺኒ ከጽንዑን ጀመሩ፣ ናብ ሓደ ኃው ከምዚ ቢሎም ጸሓፉ፣ ንሕይወት ብፁዕ ፍራንቸስኮ ከምዝፈትዋ ዝገበረኒ ሕይወቱ ናይታ አብ መጀመርያ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ምምስራትን ምምዕባልን ትመስል። ቤተ ክርስትያን ብየወሃት ገፈፍቲ ዓሣ ትጅምር፣ ብንቁሓትን ጥበበኛታትን ሊቃውት ትህብትም፣ ሃይማኖት ብፁዕ ፍራንቸስኮስ ካብ ጥበብን ውሕስነትን ድቅ ሰባት ዘይኮነስ ካብ ክርስቶስ ከምዝተመሥረተት አብ እግዚአብሔር እእመን አሎኹ።

ብሕይወት ቅዱስ ፍራቸስኮስ ተመሰጦም አብ ገዳሞም ምስ አኅዋት ብምጽንባር ብ1243 ልብሰ ምንኵስና ለቢሶም፣ ብጥበብን ብመንፈስን ዓቢዮም አብ ፓሪስ ኩሉ መጽናዕቲ ንባበ መለኮት ፈጺሞም ሊቅነቶም አመስከሩ ብዙሕ እውን ጸሓፉ። ካብ ጽሑፋቱ “ንባበ መለኮት አምሂርካ ንምኽአል ዝሕግዙ ብዛዕባ አፍልጦ ክርስቶስ ዝቀርቡ ሕቶታት” እትብል ኮይና፣ እዚ ነጥቢ እዚ አብ ሕይወትን ትምህርትን ቅዱስ ቦናቨንቱራ ክርስቶስ ማእከላይ ቦታ ከምዝነበሮ የመልክት፣ ኩሉ ትምህርቱን ሓሳቡን ብዕምቈት አብ ክርስቶስ ዝተማእከለ እዩ ነሩ ክንብል ንኽእል እንክብሉ፣ ብዛዕባ ኵስኰሳ ቅዱስ ቦናቨንቱራ ተንተኑ።

አብ ዝቀጸሉ ዓምታት አብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ንትምህርቲ ፍራንቸስካውያንን ዶሞኒካውያንን ዝቃወም ወረ ክሳብ ንብቅዓት ውፉይ ሕይወቶም አብ ጥርጥር ዘእቱ ክርክር ተላዕለ። ቅዱስ ቦናቨንቱራ ነዚ ንምክልኻልን ንምብራህን ብዙሕ ጸዓሩ ብዙሕ መሃሩ ካብ ሰብአዊ ድኻማት ናይ ቅንእን ሕሳደን ክስዕብ ዝኽእል ጸገማት እውን አመቱ፣ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕትን አስተንትኖን “ወንጌላዊ ፍጽምና” ዝብል ትምህርቲ ብምጽሓፍ “ምኽርታት ወንጌል ብምስዓብ ብንጽሕናን ድኽነትን ተአዝዞን አብ ፍጽምና ከምዝብጻሕ” ንኹሉ ጊዜ ዝኸውን ትምህርቲ ሃቡ። ቤተ ክርስትያን በዞም ነዚ ምኽርታት ወንጌል ሰሚዖም ብሕይወቶም ዝነብሩ ደቂ አንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በሪሃ ትነብር። ደሕሪ ምባል አብ ሕይወት ቅዱስ ቦናቨንቱራ ተመሊሶም አበምኔት ናይ ገዳም ተመሪጾም ን17 ዓመት ከምዘገልገሉን፣ ብድሕሪኡ መጀመርያ አቡን ጸኒሖም ካርዲናል ብምዃን ንቤተ ክርስትያን ዓቢ አበርክቶ ገሮም ቀቅድሚ ጉባኤ ልዮን ከምዝዓረፉ አመልከቱ።

ቅዱስ ቦናቨንቱራ ንፍራንቸስካውያን ካብ ዘበርከትዎ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ትምህርቱን ሐቀኛ ጸዋዕትኡን ዝገልጽ ትምህርትን ተግባርን እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንክርስቶስ ብምሉእ ልቡ ዝደለየ ምስ ረኾቦ ብፍቅሩ ካልአ ክርስቶስ ብምዃን ምሉእ ብምሉእ ምሳኡ ዝተዋሃሃደ ብምግላጽ ደቂ ማኅበሩ ክኽተልዎ ዘለዎ ኸአ እዚ ምዃኑ አብርሁ፣፣ እዚ ንክርስቶስ ዘማእከለ መደብ ሕይወት እዚ ክትፈልጦ ክተፍቅሮ ሕይወት ቅድስት ሥላሴ ምሳኡ ንምስታፍ ክሳብ አብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝፍጸም ክትመስሎ ዘሎካ እዩ ይብል፣ ቤተ ክርስትያን ከአ ሎሚ ነዚ ክትስዕብ ሓደራ ድሕሪ ምባል አብ መደምደምታ አስተምህሮኦም ንኹሎም ብዝተፈላለየ ቋንቋ አመስጊኖም ነቶም ኣብዚ ሶሙን እዚ ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ ሰበኽ ሳግማዊ ሕይወት ዘዘውትሩ ጂፕሲ ወይ ዚንጋሪ ግብረ ኖልዎ ብዝምልከት ንዝተአከቡ ነናይ ቦታኡ አብያተ ቤተ ክርስትያን ብኅብረት ናይዞኦም ዝተሰምዩ ማኅበር ብዕቱብ ዝጓሰየሉ መንገዲ ክእምቱ ሐደራ ብማለት ትምህርቶም ብቡራኬ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.