2010-03-02 13:43:34

ዒራቓውያን ማኅበረ ክርስትያን


ኣብ ዒራቕ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን’ዛ ሃገር ዝፍጸም ዓመጽ ዝኹንንን ዝቃወምን እስላምን ክርስትያንን ብሓባር ዘዳለውዎ ሰላማዊ ሰልፊ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ባግዳድን ሞሱልን RealAudioMP3 ከምእተኻየደ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ባግዳድ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ባግዳድ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ከምእተሳተፉ እውን እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብምሕባር፣ ብፁዕነቶም ሕዝቢ ዒራቕ ደላይ ሰላምን ስኒትን ጸረ ፍልልይን ጸረ ወገናውነትን ኢዩ ቢሎም፣ ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ዝሓለፈ ሰንበት ካብ መስኮት ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ኮይኖም ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ድሕሪ ምዕራግ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ማኅበረ ክርስትያን ዒራቓውያን ዘቕረብዎ ጻውዒት ንመላእ ሕዝቢ ዒራቅ ዘተባብዔን ዓቢ ደገፍ ከምዝኾነን ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ኣዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ባግዳድ ከለዳዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኤማኑአል ሳልሳይ ደልይን፣ ናይ ሶርያ ሥርዓት እትኽተል ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተሓባባሪ ፓትሪያርክ ኣባ ፒዩስ ቓሻን፣ ናይ ዒራቕ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ሚኒ. ነበር ፓስካለ ዋኣርዳን ናይ ውሁዳን ማኅበረ ክርስትያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ መንግሥቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣብዳላህ ኣል ናውፋሊን ከምእተሳተፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.