2010-02-28 18:22:59

ምብሳር ቅዱስ ወንጌል አብ ኤስያ፡


አብ ቫቲካን ናይ ማኅበራዊ መራኸቢ ብዙኀን ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ማሪያ ቸሊ አብ ክልተ ሀገራት ኤስያ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ንቫቲካን ከም ዝተመልሱ ናይ ቫቲካን መግለጺ አፍሊጡ። ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ማሪያ ቸሊ ዝበጽሕወን ሀገራት ህንድን ባንግላደሽን ከም ዝኾና እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

ብፅዕነቶም ህንድን ባንግላደሽን አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ምስ መራሕቲ ቤተ ክህነት ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ምስ ምእመናንን ሰብ ሙያታት ማሕበራዊ ተቅዋማትን ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ወኪላትን ከም ዝተራኸቡ እቲ መግለጺ አገንዚቡ።

አብ ቫቲካን ናይ ማኅበራዊ መራኸቢ ብዙኀን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ማሪያ ቸሊ ካብ ህንድን ባንግላደሽን መገሸኦም ንቫቲካን ምስተመልሱ ከም ዘመልከትዎ፡ ምስ ውሉደ ክህነት ክልቲኤን ሀገራት አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ብሐዲሽን ዘመናዊን ማኅበራዊ መራኸቢ ብዙኀን ተክኖሎጂ ብስራተ ቅዱስ ወንጌል ቅዱስ ንምዝርጋሕ ዘሎ ተኽእሎታት ብዚምልከት ብሰፊሑ ከም ዝዝተዩ አፍሊጦም።

አብ ህንዲ ጳጳሳዊ ማኅበራዊ ማእከል ከም ዝበጽሑ ዘመልከቱ ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ማሪያ ቸሊ እዚ ማእከል”ዚ ክርስትያንን ዘይኮኑን ተመሀርቲ ዝሐቆፈ አብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዘተ ክካየድ ዝሕግዝ ሰላም ዘንጸባርቅ ምእከል ከም ዝተዓዘቡ ክአ ገሊጾም።

ረኪበ ጳጳሳት ህንዲ ንሕንጸተ መንእሰያት ዝተፈላለየ ትምህርቲ ከም ዝህብ ከም ዝተገንዘቡን እዚ ህንጸተ መንእሰያት”ዚ ንምዕባሌን ሰላምን ከም ዝረድእ ክአ ከም ዘመልከቱ እዚ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ነጊሩ።

አብ ክልቲኤን ሀገራት ብፍላይ አብ ህንዲ አብ ልዕሊ ማኅበረ ሰብ ክርስትያን ካብ ክርስትና ወጽኢ እምነት ብዝኽተሉ አሉታዊ ተጽዕኖ ከም ዝግበር ከም ዝተረድኡ መግለጺ ሂቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሐለፈ ቅንያት አብ ሰሜናዊ ህንዲ መግሃላያ ዝተባህለ ክሊ አብ ሕጽናት ዝምሃሩሉ መጽሐፍ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘራክስ ምስልን ጽሑፉን ስለ ዝተራእየ ናይቲ አከባቢ ክርስትያን ቅርዓት ወጽኢኦም ፡ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ዝገበሩሉ ግዜ ብአባላት ኢንዱ ማኅበረ ሰብ ከም ዝተጠቅዑን ብዓሰርተ ዝቁጸሩ ሰባት ከም ዝቆሰሉን ክልተ አብያተ ክርስትያናት ከም ዝተቃጸለን ዝዝከር ኢዩ።

ሐደ ኢንዱትቫ ዝተባህለ ጉጅለ ንክርስትያን ዝጻባእ ጉጅለ አብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን መጥቃዕቲ ይፍጽም ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ናይቲ ክሊ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናት ነቲ ህውከት ንምህዳእን ነቶም ዓመጽቲ አብ ቅድሚ ሕጊ ንምቅራብን ይጽዕር ከም ዘሎ ፊደስ አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

አብ ህንዲ ማኅበ ረሰብ ክርስትያን እቲ ዝውሐደ ከም ዝኾነ ክፍለጥ ከሎ መንግስቲ ህንዲ ነዚ አብ ልዕሊ ንኡስ ማኀበረ ሰብ ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ክገትኦን ሰብአውን ዜጋውን መሰረታዊ መሰሉ ክኸበርን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡን ክአ እቲ ዜና አገልግሎት አረዲኡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.