2010-02-23 13:49:59

ነፍስ ኄር ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ፣ “ብጽባቔ ክርስቶስ ዝተማርኵ”


ትማኢ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ናይቲ ኮሙኒዮነ ኤ ሊበራዚዮነ ማለት ሓድነትን ነጻነትን ዝጽዋዕ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ መሥራቲ ኢጣሊያ ካህን ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ ዝዓረፍሉ መበል ሓሻይ ዓመት RealAudioMP3 ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

ዕለት 24 ለካቲት 2005 ዓ.ም.ፈ. ኣብቲ እዋን ናይ ትምህርቲ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ብምምራሕ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣባ ጁሳኒ ነቲ ፍጻሜ ዘይብሉ ጽባቔ ክደልዩን መግለጽታት ጽባቔ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእሳ ነቲ ጽባቔ እንክደልዩ እቲ ፍጻሜ ዘይብሉ ዘይበርስ ምሉእ ጽባቔ ኣብቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ዝረኸቡ ወዲ ቤተ ክርስትያን ኢዩም እንክብሉ ገሊጾምዎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

ናይዚ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሊቀ መንበር ኣባ ዅሊያን ካሮን እዚ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ንዝኽሪ ኣባ ጁሳኒ ብኸመይ መንፈስ ይነብሮ ከምዘሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንከረድኡ፣ እቲ ዝኽሪ መበል 5 ዓመት ነፍስ ኄር ኣባ ጁሳኒ፣ እግዚኣብሔር ብኣኦም ገይሩ ንምእመናንን ንቤተ ክርስትያንን ዝዓደላ ጸጋታት ምኽንያት ብናይ ምስጋና መንፈስ ከምዝብዕል ገሊጾም፣ ከምቲ ኣብታ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ እትብል ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና እነንብቦ፣ ክርስትና ውሳኔ ስነ ምግባራዊ ወይ ድማ ሓደ ስነ ሓሳብ ማለት ዘይኮነስ እንታይደኣ ኩነት ምርኻብ ምስ ሓደ ሰብ፣ ንሱ ድማ ምስ ክርስቶስ ማለት ምዃኑ ንርዳእ፣ እዚ ልዑል እንታይነት እምነት፣ ኣባ ጁሳኒ መሪሕ ሕይወቶም ገይሮም፣ ክርስትና ኵነት ምርኻብ ምስ ክርስቶስ ምዃኑን፣ መንበሪኡ ድማ እቲ ልዑል ውሻጣዊ ምዃን ፍጥረት ሰብ ከምዝኾነ፣ ብፍልጠቶምን ብእምነቶምን በገልግሎቶምን ከምዘስተምሃሩ ኣረዲኦም፣ እዚ ሓቂ እዚ ድማ ዝኾነ ይዅን ባህልን ተበጽሖ ምዕባለታትን ዘይቅይሮ ምዃናዊ ሓቂ ኢዩ። ስለዚህ ክርስትና ምስ ሕጊ ወይ ድማ ሥርዓትን ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ምርኻብ ማለት ዘይኮነስ ምስቲ ፍጹም ጽባቔን ገዛእ ርእሱ እቲ ጽባቔ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ምርኻብ ኢዩ። ክርስትያን ነዚ ዝተራኸቦ ክርስቶስ ኢዩ ዝምስክር። ኣባ ጁሳኒ ነዚ መንፈስ እዚ ክንነብር ሚሁሮምና፣ ድሕሪኦም ድማ እቲ ብፍቓድ ቤተ ርክስትያን ብኣኦም ዝተመሥረተ ማሕበር ውህደትን ነጻነትን ይነብሮን ይምስክሮ ኣሎ። በዚ መንፈስ’ዚ ኢዮም ዝዝከሩ ኢሎም። ሰብ ንበይኑ ነዚ ጽባቔ ክምስክርን ሰላም ከናድን ከረጋገጽን ሓድነት ከነቓቕሕን ዓቕሚ የብሉን ንበይኑ ልዑል ክብሪ ንምርግጋጽ ዝኽተሎም መገድታት ናብ ውድቀት ኢዩም ዝመርሕዎ፣ ምእንቲ’ዚ ሓይልናን ብቕዓትናን ክርስቶስ እንተኾይኑ ጥራሕ ኢዩ ነዚ ከነረጋገጽ እንኽእል፣ እዚ ድማ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዘድልዮ ባህሊ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.