2010-02-23 13:51:25

ብላቲን ሥርዓት ናይ ሰናብቲ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ትንታኔ


ብናይ ላቲን ሥርዓት መሠረት ንሰለስተ ዓመት ናይ ሰናብቲ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ዝተንተኑ፣ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ዓንቀጸ ሃይማኖት ስነ ቲዮሎጊያ መምህር RealAudioMP3 ኣባ ማሲሞ ሶረቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ዘቕረብዎ መደብ ትንተና ቅዱስ መጽሓፍ ንባባት ሰናብቲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቃል ኣምላኽ ኅያው ቃል ኢዩ፣ ነዚ ቃል ሕይወት ብትኽክለይና ኣተረጓጉማን ርድኢትን ንምልላይ ዝሕግዝ መደብ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ቃል ኣምላኽን ቅዱስ መንፈስን ንምድራት ዘይኮነስ፣ እቲ ቃል ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ኣብ ሕይወትካ ክትርጉሞን ኅያው ክትገብሮን በቲ ቓል ኣምላኽ ገዛእ ርእስኻ ክትልውጥን ክትምራሕን ንምፍቃድ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ መንገዲ ዝሕብርን መረዳእታ ዘቕረበ መደብ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

እምነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ ኢዩ።ቃል ኣምላኽ ከምቲ ልሙድ ወይ ድማ ብዙሓት ብዓይኒ ስነ ምግባር ዝትንትንዎን፣ ኣብዚ ዓይነት ኣገላልጻ ዝድርትዎን ከይከውን ብምሕሳብ እቲ ቃል ሰብ ኮይኑ ናባና ከምዝመጸን፣ ነዚ ሥጋና ለቢሱ ናባና ዝመጸ እግዚኣብሔር ንምስዓብ እንምሃረሉን ብርሃን ሕይወትን መገድን ከምዝኾነ ዝተተንተነሉ መደብ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ብውነና ዝተሓዝ ኣይኮነን፣ ስለዚ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ደይ ቨርቡም ቃል እግዚኣብሔር ንዝብል ውሳኔ እትኽተሎ መገዲ ዘጉለሔ መደብ ኢዩ ኔሩ፣ ከምቲ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እትኽተሎም ሰለስተ ኣድማሳት ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን ዝተኸተለን፣ ብዙሕ ግዜ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራሕ ዝብሉ ማኅበረ ክርስትያን ዝኽተልዎ ኣመለኻኽታ ጌጋ ምዃኑ ዘረድኤ እውን ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፦ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ናብ ፍጥረት ሰብ ዘመሓላለፎ ናይ ፍቕሪ ሰታሪት ቢሉ ይገልጾ፣ እቲ ናይታ ናይ ፍቕሪ ደብዳቤ ተቐባሊ ወይ ድማ ዝተፈቕረ ሰብ፣ ኣብቲ ቃል ተጣቢቑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ነቲ ዘፍቕር ክርዳእን ከለልን ናብኡ ከቕንዕ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔር ብዝያዳ ንምትእሥሣር ዝሕግዝ ከይዲ ርድኢት ቅዱስ መጽሓፍ ኢዩ፣ ኣብዚ ዓይነት መገዲ ዝተፈላለዩ ጌጋታት ከይፍጸሙ ቤተ ክርስትያን እቶም ሰለስተ ኣድማሳት ብምትንታን ነቲ ዘፍቀረና ክንነብሮ ተስተምህረናን ትመረሓናን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.