2010-02-23 13:53:07

2011 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንስያት


እቲ በቢ ዓመቱ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ርክስትያን ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእስያት ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ስፐይን ማድሪድ ክካይድ ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ስፐይን RealAudioMP3 ብፍላይ ድማ ሰበኻ ማድሪ ኣብ ልዑል ምቕርራባት ከዘሎ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ሩኮ ቫረላ ከምዘመልከቱ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነቲ መደብ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ዝሓቀነ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት፣ ናይ ስፐይን መንግሥትን ናይ ማድሪድ ምምሕዳር ከተማ ዘርእዮ ዘሎ ተሳታፍነት ብፁዕነቶም ዝነኣድ ኢዩ ቢሎም፣ ነቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዙሓት ዝተፈላለያ ትካላት በቢ ዝከኣለን ጎስጓስ የካይዳ ከምዘለዋን፣ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንኽሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝነቕሉ መንሰያት መንግሥቲ ስፐይን ናይ መእተዊ ፈቓድ ክህብ ብምግላጹ ዝርእዮ ዘሎ ምትሕብባር ብፁዕ ካርዲናል ሩኮ ቫረላ ከምዘሐጐሶም ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዕዉት መታን ክኸውን፣ ነዚ ሓሳብ ዝግበረ ዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን ባህልን መደባት ይካየዱ ከምዘለዉ ብፁዕነቶም ኣመልኪቶም፣ ብዛዕባ መደብ እቲ መዓልት ዓለም ሓቆፍ መንሰያት ይብሉ ዕለት 16 ነሓሰ 2011 ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማእከል ከተማ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ደ ሲበለስ ብዘዕርግዎ ቅዳሴ ክጅመር ምዃኑ ከምዘመልከቱ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብር። ሓቂ ብነጻነት ይቐርብን ይቕረብን እምበር ብሓይሊ ወይ ድማ ብፀቕጢ ኣይቀርብን ኣይቅረብን ኢዩ ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጠቒሶም፣ ክርስትና ዘቕርቦ ሓቂ ድማ እዚ ኢዩ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ እምነት ብመንሰያት ገይሩ ይነቓቓሕ ኣሎ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.