2010-02-20 13:19:23

ናይ ቫቲካን ናይ ዜናን ቤት ማኅተምን ኣመሓዳሪ መልሲ


ናይ ቫቲካን ናይ ዜናን ቤት ማኅተምን ናይ ቫቲካን ራዲዮን ዋና ኣመሓዳር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፣ ገለ ገለ ኣባላት ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ናብ ቅዱስ ኣቦና ንናይዚ ተቛም ሊቀ መንበር ዝነቅፍ RealAudioMP3 ሓሳብ እውን ዝሰፈሮ መልእኽቲ ኣተሓላሊፎም ዝበሃል ዘሎ ዜና፣ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሮም፣ ብኣባላት ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ዝተጻሕፈ መልእክቲ ከምዘየሎን፣ ናብ ቅዱስ ኣቦና ይዅን ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን ናብ ንካልኦት ዝምልከቶም ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ከምዘይተልኣኸ እውን ኣረጋጊጾም። እቶን ኣብቲ መልእኽቲ ክታሞም ኣንቢሮምሉ ካብ ዝበሃሉ ሓደ ናይቲ ተቛም መምህር ፕሮፈሶር ሹያንስ ገይሾም ከምዘለዉን፣ ኣብ ቐረባ እዋን እቲ ተቛም ኣብ ዘካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ እውን ኣይተረኸቡን፣ ስለዚህ መዓስ ኣበይ ብኸመይ መገዲ ኢዩ ፊርማኦም ካብ ዘንበሩ ሓደ ተባሂሎም ዝጥቀሱ? ዝብል ሕቶ ኣባ ሎምባርዲ ብምቕራብ እቲ ተመሓላሊፉ ዝበሃል ዘሎ መልእክቲ ኣይተጻሕፈን ናይ መራኸቡ ብዙሃን ፈጠራ ኢዩ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ማኅተምን ዝተመሓላለፈ መገልጺ የረጋገጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.