2010-02-20 13:17:49

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ካህን ከም ክርስቶስ ልቡ ናብ እግዚኣብሔር ከተኵራ


ቅድሚ ትማሊ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ኛ ምስቶም ብናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ዝተሰነዩ መላእ ካህነት ሰበኻ ሮማ ኣብ ቫቲካን ኣዳራሽ ቡራኬ ተቐቢሎም RealAudioMP3 ብዛዕባ መንነት ካህን መለኮታዊ ንባብ ከምዘቕረቡ እንክዝከር፣ መልእኽቲ መለኮታዊ ንባብ ቅዱስ ኣቦና ንኣስተንትኖ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ነጥብታትን ቀጻልነት ዘለዎ መወከሲ ሓሳብ ዝሓዘለ ከምዝኾነ ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሮማ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብምዃኖም፣ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ምጅማር ጾም ኣርብዓ ምስ ካህናቶም ተራኺቦም መሪሕ ሓሳብ ናይ ምቕራብ መደብ መሠረት ምስ መላእ ካህናት ሰበኻ ሮማ ተራኺቦም፣ ኣብ ዘቕረብዎ ንባበ መለኮት፣ ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ዕብራውያን ዝተወከሰ ንጉሣዊ ክህነት ክርስቶስ ንናይ ካህናት መሪሕ ሕይወትን ፍጹም ኣብነትን ምዃኑ ዘረጋገጸ ከምዝነበር ተገሊጹ።

ካህን ንኻልኦት ብዘይ ደረት ንምፍቃር ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝጸንዕ ክኸውን ከምዘለዎን፣ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ንኽኸውን ንእግዚኣብሔር ብቐረባ ክፈልጦን፣ ምስ ክርስቶስ ብኅብረት ዝነበር ክኸውን ይግባእ ኢሎም። ቅዱስ ኣቦና ካህናት ንደቂ ሰባት ናብ እዚኣብሔር ዝወስድ መንጎይና ክኸውንን ኣብ ሚሥጢረ ፍቕሩ ንምእታው ገዛእ ርእሱ ብእግዚኣብሔር ኢድ ንክምርሕ ዝፈቅድ ክኸውን ኣለዎ። ከም ክርስቶስ ኣብ ስቓይን ጸገምን ናይ ፍጠረት ሰብ ዝኣቱን ነቲ ሽግር ደቂ ሰባት ከም ክርስቶስ ናቱ ዝገብርን፣ ምእንታኻ ኣነ ዝብል ንኽርስቶስ ዝመስል ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ብኽርስቶስ ዝተገልጸ ሓቀይና ሰብኣውነት ዝነብር ኢዩ ኢሎም።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌተ ሰማኒያ እንክሳቐን ኣብ መስቀል ኮይኑ ናብ እዚኣብሔር ዘቕረቦ ልመናን ንብዓትን ናይ ተልእኾኡ ሓደ ክፍሊ ዘይኮነስ ተልእኾኡ ኢዩ። ክርስቶስ በዚ ዓይነት መገዲ ኢዩ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ። ካህን ብቓልን ብሕይወትን ነዚ ኢዩ ዝሠርዕን ዝነብርን። እዚ ማለት ድማ ክርስቶስ ንእግዚኣብሔር ካብ ገዛእ ርእሱ ወጻኢ ዝኾነ መሥዋዕቲ ዘይኮነስ ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ኢዩ ዘቕረበ። ክርስቶስ ናይ ዓለም ስቓይን መከራን ንብዓትን ናቱ ጌይሩ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎትን መሥዋዕትን ጌይሩ ኢዩ ዘቕረቦ። ዓለም ካብ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ብምርሓቑ ዘስዕቦ ኵላዊ ስቓይ ካህን ናቱ ገይሩ መሥዋዕቲ ገይሩ ናብ እዚኣብሔር ብምቕራብ ክህነታዊ ክርስቶስ ይነብር። ከምቲ ክርስቶስ ከም ፍቓድካ ይኹን ዝበሎ፣ ካህን ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ጸኒዑን ነቲ ናይ ምዃን ሓቀይና ትርጉምን ሓቀይና ነጻነትን ንዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሔር ተኣዛዚ ይኸውን። እዚ ድማ ትርጉም ናይቲ ተኣዝዞ ዝበሃል ኢሎም።

ክርስቶስ ነቲ ዝተሓርየ ሕዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ባህሊ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ዝነብርን ኣረሜን እውን ናብ እግዚኣብሔር ዘቕረበ ኵላዊ ድሕነት ሰብን ታሪኽን ምዃኑ፣ ንስኻ ከም ሥርዓት መልከጼዲቕ ንዘልዓለም ካህን ኢኻ ማለት ክህነትካ ኵላውነት ለበስ ምኻኑ ዝገልጽ ሚሥጢር ክህነት ኢዩ። ስለዚህ ከም ክርስቶስ ንህዝቢ ዓለም ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርብ ኢዩ እንክብሉ ብዛዕባ ትርጉም ሚሥጢረ ክህነት ዘቕረብዎ ንባበ መለኮት ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.