2010-02-20 13:25:30

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ


ቅድሚ ትማሊ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ መንግሥቲ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ንናይ ቲቤታውያን መንፈሳዊ መራሒ ዳላይ ላማ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ እንክንገር፣ እዚ ርክብ ከይፍጸም RealAudioMP3 መንግሥቲ ቻይና በተኸታታሊ ጽቕጢ ክገብር እውን እንተጸንሔ፣ ርእሰ ብሔር ኦባማ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ብሓፈሻኡ ዓለም ለኻዊ ውሳኔ ዝፈጽምዎን ቻይና ነዚ ውሳኔ እዚ ከተኽብር ዝዕድም ኵነት ከምዘከናወኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ቻይና መሰልን ፍቓድን ቲቤታውያንን ናይ ቲቤታውያን ሃይማኖታዊ መንነትን ባህልን ክኽበር ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብቲ ምስ ዳላይ ላማ ዘካየድዎ ርክብ ከምዝረጋገጹ እንክንገር፣ ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ርክብ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤሌና ሞሊናሪ፣ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ቻይና ነቲ ርክብ ብትረት ከምእተቓወመቶን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ነቲ ምስ ቻይና ዝኣተወቶ ክልቴኣዊ ስምምዕ ዝጥሕስ ኢዩ ከምዝበለትን ሓቢረን፣ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ቅድሚ ሕጂ ንናይ ቻይና ፖለቲካ ከይስርዙ ቢሎም ዳላይ ላማ እብ ዝተፈላለየ ጊዜ ኣብ ዋሽንግቶን ምብጻሕ እንከካይዱ ከምዘትይተራኸብዎም ገሊጸን፣ ሕጂ ግን ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ነቲ ርክብ ከምዝፈጸሙ ሓቢረን። ብዛዕባ ሰላንም ሰብኣዊ ክቡር ዋጋታትን ሰብኣውን ሃይማኖታውን ፖለቲካው ስኒትን ሓሳብ ንሓሳብ ልውውጥ ከምእተገበረ ገሊጸን፣ ባራክ ኦባማ ከምቲ ልሙድ ንመራሕቲ ሓገራት ኣብ ዝቐበልሉ ኣዳራሽ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ግሊ ቤት ጽሕፈቶም እውን ዘካይድዎ እንተነበረ ቻይና ነቲ ርክብ ብምቅዋም ቁጣዔኣ ከምዝገለጸት ሓቢረን ኣብ መንጐ ቻይና ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ዘሎ ፍልልይ ክናዋሕ ዝግበር ኢዩ ኢለን።

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ፖለቲካ ተግባራውነት ዝኣምን ኢዩ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ቲቤት ሃገራዊ ነጻነት ትደሊ ኣይኮነትን፣ እቲ ርክብ ሰላምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ንኽኽበር ዘተባብዕ ከምዝኾነ ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ስታምፓ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ስነ ፖለቲካ ተንታኒ ስቴፋኖ ሌስችይንስኪ ኣመልኪቶም፣ ርእሰ ብሔር ባራክ፣ ኦባማ ዳላይ ላማ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘካይድዎ ጎስጓስ ንምድጋፍን ቻይና ኣብ ምኽባር እዚ ዓለም ለኻዊ ውሳኔ ንምትብባዕ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.