2010-02-18 12:52:39

ሃዪቲ፣ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ብሓደጋ ርእደ መሬት ንዝዓረፉ


ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ቅድሚ ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ኣብ ሃዪቲ ብጠንቂ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ንዝወረዶም ናይ ፍትሓት RealAudioMP3 ቅዳሴ ከምዝሠርዑ ተሓቢሩ።

ብፁዕነቶም ኣብቲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣካላውን ሞራላውን ስቓይ ኣብ ቅድሚ ናይ ዝኾነ ይዅን ዘመን ሰብ ዓቢ ሕቶ ከምዝኾነን ብምሕባር ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይዅን ስቓይን ሓዘንን ንዝርከቡ ደቂ ሰባት ናይ ክርስቶስ ሓዋርያት ከጸናንዕዎምን ክድግፍዎምን መንፈሳውን ሰብኣውን ሓዋርያውን ኃላፍነት ኣለዎም ከምዝበሉ ተገሊጹ። ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ኣብ ሃዪቲ ናይ ፖርት ኣው ፕሪንስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ሰርገ ሚዮት ዝርከብዎም ንዅሎም ኣደዳ ርእደ መሬት ንምዝካር ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ መንግሥታት ወከልትን ኣብ ቫቲካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግሥታትን ብዙሓት ምእመናን ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።

እቲ ዕለት 12 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሃዪቲ ብዝወረደ ሓደጋ ርእደ መሬት ናይ ፖርቶ ኣው ፕሪንስ ሊቀ ጳጳስ ዝርከብዎም ብጠቕላላ ኣብ ልዕሊ 200 ሺሕ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘውረደን ዝቐረበ ጸብጻብ ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ብምዝካር፣ ብዕጽፊ እውን ብዙሓት ዜጋታ ሃዪቲ ቤትን ንብረትን ኣልቦ ከምዘትረፈን ብዙሓት ሕጻናት ንዝኽትምና ከምዝደረኸን ከምዘዘኻኸሩ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣቨኒረ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ሓቢሩ፣ ብዙሓት ካህናትን ደግናግልን እውን ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶምን ምስ ሕዝቢ ምንባርን ኣብ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ምሉእ ብምሉእ ምስታፍን ናይ ልኡካነ ወንጌል ሓደ መለለዪ ኢዩ ከምዝበሉ ኣቨኒረ ኣመልኪቱ።

ቅድሚ እቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ሎው ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰል ዘስካሕክሕ ሓደጋ ሕዝቢ ዓለም ዝሥዋዕን ልግሥና ከምዘርኣየ ሓቢሮም፣ ሰብኣዊ ምትሕብባር ተረጋጊጹ ከምዝበሉ ኣቨኒረ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.