2010-02-16 14:09:32

ፍቅራዊ ዓይኒ ቅዱስ ኣቦና ናብ’ቶም ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ


ቅድሚ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ በመል 16 ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ማእከል መእለዪን መመገብን ቤት ክንክን ጥዕና ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ እንክዝከር፣ RealAudioMP3 ኣብቲ ማእከል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቤተ ክርስትያን ንድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ብፍሉይ ከምእተፍቅሮም ንበይኖም ከምዘይትሓድጎም ከምዘረጋገጹእ እቲ መልእኽቲ ቃል ቅዱስ ኣቦና ብዓቢይ ኃይሊ የቃልሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣመልኪቶም ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ጨንፈር ሮማ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ፈሮቺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ኣብቲ መእለዪ ድኻታት ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘረባ ዝምስጥ ኢዩ፣ ካብቲ ዘረባ ግን ቅዱስ ኣቦና ነቶም ድኻታት ብዓይኒ ፍቕሪ ክጥምትዎም ዝርኣይዎ ምስትውዓል ከምዝነበረ ሓቢሮም፣ እቲ ቓል ቅዱስ ኣቦና ተስፋ ዘተባብዕ ኵነት ኢዩ ዝገልጽ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ፈሮቺ ካብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ወንጌል ድማ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘርኣዮ ሓልዮትን ቅንኢ ፍትሕን ፍቕርን ምትሕብባርን ዘጉልሕ ኢዩ ኔሩ ምስ በሉ ቀጺሎም ኣብዚ መእለዪ ድኻታት ኣገልግሎት ዝህቡ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ወለንተይናታት እቲ እንነብረሉ ዘሎና ኅብረሰብ ንጽጉማትን ድኻታትን ሕዙናትን ዝግበር ሓልዮት ኣብ ዝዛሕተለሉ ዘመን ዝካኣሎም ክገብሩን ኣክንዲ ድኻታት ደው ክብሉን ነተባብዕ፣ እዚ ምትብባዕ እዚ ድማ ንኽርስቶስ ካብ ዘሎና ፍቕሪ ዝምንጭ ክኸውን ከምዘለዎ ነተሓሳስብ፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦናን መልእኽቶምን ነዚ ዘረጋግጽ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

ቤተ ሰብ ሓዋርያት እንካብ ኮና ድማ ኣብ ክርትያናዊ ሕይወትና ቀዳማይ ሥፍራ ክወሃቦ ዘለዎ ክቡር ዋጋ እቲ እንካን ሃባን ዘይፈልጥ፣ ዝስዋዕ ፍቕሪ ኢዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ፍቕርን ፍትሕን ዘይነጻጸሉ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ክቡር ዋጋታት ምዃኖም ኣብ ዓዋዲ መልእኽትታቶም ኣመልኪቶም ኢዮም፣ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ፍጥረት ሰብ ጸገም ንምብዳሕ ኤኮኖሚ ንበይኑ ብቑዕ ኣይኮነን ስለዚህ ነዚ ከይዲ ኤኮኖሚ ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ዝዓበየ ፍቕሪ ከምዘየለ ዝመስከረ ካብ ዝስዋዕ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ ዝነቕለ ክውንነት ፍቕርን ልግስን ሓልዮትን ናይ ኣገልግሎትን ክውሰኾ ከምዘለዎ ኣትሪሮም ኣረዲኦም፣ እቲ ልቢ ኵሉ ዝተንከፈ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝጥምታ የዕይንቶም ኢያተን፣ ብሥጋዊ ዓይኒ ዘይኮነስ ብዓይኒ ልብን ኣእምሮን ይጥምትዎም ከምዝነበሩ ዘረጋገጽ ኵነት ኢዩ፣ ማእከልነት ሰብ ዝዓሰሎ ክንክንን ምኽባርን ክቡር መሰልን ፍቓድን ዳግም ክረጋገጽ ዝተሓሳሰብ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ኢዩ ኔሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.