2010-02-16 14:13:40

ትሩፋት ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘ ፓዶቫ


ትማሊ ሰኑይ ቅዱስ ኣንጦኖስይ ዘ ፓዶቫ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለደላ ዕለት ምኽንያት ናይ’ዚ ቅዱስ ዓጽምን ቅዱሳት ትሩፋት ናብቲ ምዱብ መቐመጢኡ ዝኾነ ክሕደስ ዝጸንሔ ባዚሊካ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ RealAudioMP3 ዘ ፓዶቫ ውሽጢ ናብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ቀስቲ ተመሊሱን ንነጋዶ ምእመናን ከምዝቐረበ እንክሕበር፣ ኣብ ቅድሚ ትሩፋትን ቅዱስ ዓጽምን ቅዱስ ኣንጦንዮስ ጸሎት ንምዕራግን ኣማላድነቱ ንምሕታት ዝነገደ ምእመን ብኣሽሓት ዝቑጸር ከምዝነበረ ኣብ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዘ ፓዶቫ ዝተርኣየ መወዳታ ዘይነበሮ ነዊሕ ሪጋ ምእመናን የረጋገጾ።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘ ፓዶቫ ቅዱሳት ትሩፋትን ዓጽም ሎሚ እውን ንምእመናን ቀርቡ ከምዝወዓለ ክንገር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ኣብ ፖርቱጋል ዝተወልደን ዕለት 13 ሰነ 1231 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶቫ ከምዝዓረፈን እዚ ዓቢይ ቅዱስ ብካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልኦት ኣቢያተ ክርስትያን እውን ዝኽበር ከምዝኾነ፣ እነሆ ከተማ ፓዶቫ ንኽብሪ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘ ፓዶቫ ናይ ሰሙን መንፈሳዊ በዓል ተእንግድ ከምዘላን፣ ኣብዚ መንፈሳዊ መደብ ካብ ውሽጢ ኢጣልያን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.