2010-02-16 14:14:51

ሃዪቲ፣ ደገፍ ቤተ ክርስትያን


ቅድሚ ሓደ ወረሒ ንሃይቲ ዘናወጸ ርእደ መሬት ኣብ ሕይወት ሰብን ንብረትን ዓቢ ኪሳራ ከምዘውረደን ብግምት 230 ሺሕ ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን ልዕሊ 500 ሺሕ ድማ ብዘይ ቤትን RealAudioMP3 ንብረትን ከምዘትረፈን ክዝከር እንከሎ፣ እቲ ንዓለም ዘሰንበደ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረድ ናይ ሞት ሓደጋ ዓለም ንሃዪቲ ክጥምትን ኣብ ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ክተግህን ከምዝደረኽን፣ መንግሥቲ ሃይቲ ነቶም በቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶምን ዝቖሰሉን ንመላእ ሃይትን ሕዝባን ክጽለ ዝሓለፈ ዓርቢ መዓልቲ ጸሎት ክኸውን ዘተሓላለፎ ውሳኔ፣ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንህዝቢ ሃይቲ ዓቢ ደግፍ ተቕርብ ከምዘላን ኣብ ሃይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ቤርናርዲቶ ክለኦፓስ ኣውዛ ኣብ ፖርት ኣው ፕሪንስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ሃዪቲ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ዝረባረብ ዘሎ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ዘካየዶ ኣኼባ ከምዘአንገዱን ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ እቲ ንህዝቢ ሃዪቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ኣዋፍራ መትረብ ንምትሓዝ እቲ ዝወረደ ሓደጋን ዘስዓቦ ጸገም ንምብዳሕ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ዓሚይቕ ዘተ ከምእተኻየደ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዋና ጸሓፊ ለስለይ ኣኔ ናይትን ናይ ካራይብን ላቲን ኣሜሪካን ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ባርጋሎ ኣብቲ ጉባኤ ከምእተሳተፉ እንክንገር፣ ካሪታስ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ሃይቲ ዝካየድ ዘሎ ደገፍ ዳግመ ሕንጸት ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ክኽተል ከምዘለዎ ጻውዒት ከምእተቕርብን ከምእተተሓሳስብን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዋና ጸሓፊ ለስለይ ኣን ናይት ድሕሪ እቲ ጉባኤ ከምዝገለጹ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ካቶሊክ ናይ ተራድኦ ማኅበርን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኃልዮ መግቢ ቅዋም ካብ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ንዝግመት ሕዝቢ ናይ መግቢ ሓገዝ ብሓባር ከምዘቕረባን ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መእለዪ መእክል ንዝርከቡ ናይ ክንክን ጥዕና ሕንጸት ዘቕርቡ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ተዋፊሮም ከምዘለዉ እውን ከምዝሓበሩ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ነቶም ኣብ ሃዪቲ ብጠንቂ ርእደ መሬት ናይ ፖርቶ ኣው ፕሪንስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ሰርግ ሚዮት ዝርከብዎም ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶ ሕዝቢ ብናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳና ዝተመርሔ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ዝቐረበ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣመልኪቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይቲ ወኪል ካርል ሄንሪ ጊተኣው ናብ ናይ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ሎው ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ምስጋና መልእኽቲ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሃይቲ ቅድመ ርእደ መሬትን ድኅረ ርእደ መሬት እተወፍዮ ኣገልግሎት ዝነኣድ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ሎው ብወገኖም ኣብ ሃይቲ ዝወረደ መጉዳእትን ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ክመጣጠን ምግባርን ብሕልፊ ድማ ዝውሕዝ ዘሎ ደገፍ ነቲ ክብጻሕ ዝድለ ሽቶ ክወቅዕ መደብ ምቅንብባር ረድኤት ክበራታዕ ኣለዎ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ምንጪ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.