2010-02-09 14:51:52

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ኖልዎ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ወርሒ ለካቲት ዕለት 8 ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ዝጠለቦ ብዛዕባ ተጓዕዝቲ ባሕርን ንባህረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ንዝመሓደሩን RealAudioMP3 ዘማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዘተኮረ ርእሰ ጉዳይ ዝዝቲ ዘሎ ኣኼባ ሎሚ ክፍጸም ምዃኑ እንክሕበር፣ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊያ ብዛዕባ እዚ ጉባኤ’ዚ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ንባህረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ንዝመሓደሩ ክፍሊ ኅብረተሰብ ዘቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይዞም ክፍሊ ኅብረሰብ ክበድ ዕዮን ሥድራ ቤቶም ኣብ ግምት ዘእቱ ምዃኑ ኣረዲኦም። ሎሚ ንጎሆ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ምፍጻሙ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊያ ብዛዕባ ተጓዓዝቲ ባሕርን ባህረይናታትን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘተሓባብሩ ካህናት ከምእተራኸቡን ክንገር እንከሎ፣ እዚ ናይ ባህረይናታትን ብባሕሪ ሃብቲ ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘበገሰሉ መበል 90 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብተወሳኺ ድማ 2010 ዓ.ም.ፈ. ዓመት ባሕርን ሃብቲ ባሕርን ኮይኑ ክሕሰብ ብምውሳኑ ምኽንያት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተጠልበ ሓፈሻዊ ኣኼባ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 10 ለካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ብሃብቲ ባሕሪ ንዝመሓደሩ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ኮሚቴ ሓዋርያዊ ሓልዮ፣ ብናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ዝተመርሔ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.