2010-02-09 14:53:27

ትሩፋት ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘ ፓዶቫ


ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ቅዱስ ኣንጦኖስይ ዘ ፓዶቫ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለደላ ዕለት ምኽንያት ናይ’ዚ ቅዱስ ዓጽምን ቅዱሳት ትሩፋት ናብቲ ምዱብ መቐመጢኡ ክሕደስ ዝጸንሔ ባዚሊካ RealAudioMP3 ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘ ፓዶቫ ውሽጢ ናብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ቀስቲ ቅድሚ ምምላሱ ንነጋዶ ምእመናን ክቐርብ ምዃኑ ሜሳጀሮ ዲ ሳንታ ኣንቶኒዮ ናይ እተሰምየ ጋዜጣ ኣመሓዳሪ ኣባ ኡጎ ሳርቶሪዮ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።

ኣባ ሳርቶሪዮ ቀጺሎም፣ ናይ ዝኾነ ይኹን ቅዱስ ትሩፋትን ቅዱሳት ዓጽምታትን ነቲ ምልክት ዘይሓትት ኣሜን ዝብል እምነት ዘይትክእን ዘይጻረርን ኢዩ፣ ተኣምራትን ምልክታትን ብዘየገድስ እምነት ኅያው ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ቅዱሳት ትሩፋት ኣብ ሃይማኖት ዘለዎ ቅዱስ ኣስተዋጽኦ ዝድርት ኣይኮነን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ እቲ ንናይ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘ ፓዶቫ ኣብ ሰማይ ዝተወለደላ ዕለት ዝግበር መንፈሳዊ በዓል ከምቲ በቢ ዓመቱ ዝግበር ናብ ዕለተ ሰንበት ዝሠጋገር ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 15 የካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ. ክብዕል ምዃኑ ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.