2010-02-06 16:39:16

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) 2009


መዝሙር፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . . . ንባባት፡ ዕብ 13፡7~17፥ ያዕ 4፡6~ፍ፥ ግ.ሓ. 25፡13~ፍ፥ ዮሓ፥ 3፡10~21 መዝሙር፡ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብርዓድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን አመስግንዎ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።

ብስርዓት ሃገርና ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጾመ ሕርቃል ንጉስ ይጅምር። እዚ ጾም እዚ ምእንቲ መራሕቲ ሃገር ንጌጋኦም ክምሕሮምን አብ ኩሉ ክሕግዞምን ኢልና ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ ዝሕግዘና እዩ።

ጾም አብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ይዝውተር ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። አብ ኢዮኤል 2፡12~18 እንተረኤና “ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝምን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ ጾም አውጁ አኸባ ጸውዑ” እናበለ ጾም ምስ አምላኽ ክንዕረቕ አፍደገ ከም ዝኸፍተልና ንርኢ። ዮናስ ነብይ ንሰብ ንነውየ ንንስሓ ምስ ዓደሞም ኩሎም ሰብን እንስሳን ንሰለስተ መዓልቲ ካሻን ሓምኹስትን ነስኒሶም እናጾሙ ተነሲሖም ምሕረት አምላኽ ከምዝረኸቡ ነንብብ። እዞም ዝስዕቡ ብዛዕባ ጾም ይዛረቡና ማቴ 6፡16~18፥17፡17~20፥ ሉቃስ 4፡1~2፥ዮናስ 3፡5~10፥ 2ቆሮ 6፡4’5 ዘጽአት 24፡28፥ ዘዳግም 9፡18፥ መዝ 26፡13 ዳንኤል 9፡3፥ 1መቃባውያን 3፡46~47፥ ግ.ሓ. 14፡22 2ቆሮ 11፡27።

አብ ብሉይ ኪዳን ጾም ይዝውተር ከም ዝነበረ ብንጹር ንረክብ። አብ ሓዲስ ኪዳን ዮሓንስ ምስ አርድእቱ ከምኡ ፈሪሳውያን ይጾሙ ከምዝነበሩ ነንብብ። ኢየሱስ ቅድሚ ስብከቱ አርብዓ መዓልትን ለይትን ጸይሙ ከም ዝጀመሮ ወንጌል ይነግረና። ቤተክርስትያን አሰር መምህራ ተኸቲላ ጾም ክዝውተር ተስተምህረና። ዓቢ ጾም ንብዓለ ትንሣኤ ክንሰናዶ ምእንቲ ንጸውም። ሮብዕን ዓርብን ጾመ ድሕነት ኢልና ንጸውም። ጾመ ታሕሣሥ ንልደት መቀራረቢ፥ ጾመ ፍልሰታ ንብዓል ፍልሰታ ማርያም መቀራረቢ፥ ጾም ግሃድ ቅድሚ ልደትን ጥምቀትን ዘለዋ መዓልታት ንጸውም፥ ጾም አብ እምነትና ዓቢ ቦታ አለዎ።

ጾም እንታይ እዩ ትርጉሙ? ንሕና ብፍሉይ ክንጸውም ከሎና እንታይ ክንገብር አሎና? እንታይከ ይጠቕመና? ዘይጾመ እንታይ ይጎድሎ።

ጾም ምስ አምላኽ ፍጹም ውህደት ክህልወካ ምእንቲ እትገብሮ መጋበሪ ጽድቂ እዩ። ካብ እምላኽ ዝፈልየና ነገራት ማለት ሥጋና፥ ዓለም፥ ሰይጣን፥ እምቢ ኢልና አብ አምላኽ ክንቀርብ ኢልና እንጥቀመሉ እዩ። ጾም ምስ አምላኽ ዓሪቑ ምሕረት የውርደልና። ጾም ሕይወትና ክንመልኽ እሞ አብ ቅድስና ክነምርሕ ይሕግዘና። አብ ጊዜ ጾም ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ክንገብር ንግደድ፥

፩ ~ ጸሎት፡ ናይ ልቢ ምልዕዓል እዩ። ንመንግስተ ሰማይ ገጽካ ዚገብር ዝኾነ ቆላሕታ እዩ፥ ጸበባን ተሓጓስን ዚሓቊፍ ናይ ምቕባልን ምፍቃርን አውያት እዩ። (ሓ/ት 2558)። ጸሎት ህያብ አምላኽ እዩ፥ ሓሳብካን ሕልናኻን ናብ አምላኽ ገጽካ ምልዓል ወይ ከአ ካብ አምላኽ ሠናይ ነገር ምልማን ማለት እዩ። ጸሎት ኪዳን እዩ። ብልቢ ዝድገም ጸሎት አብ መንፈስ አምላኽ የእትወና። ጸሎት ብክርስቶስ ገቢሩ አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ዚፍጸም ናይ ኪዳን ርክብ እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስን ካባናን ዚፍልፍል ሰብአዊ ድላይ ምስቲ ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ተወሃሂዱ ናብ ዝቐንዐ ስራሕ አምላኽን ሰብን እዩ። ጸሎት ሱታፌ(ኅብረት) እዩ። ምስ እግዚአብሔር አቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ምስ መንፈስ ቅዱስን ደቂ እግዚአብሔር ዚገብርዎ ሕያውን መሕየውን ዝኾነ ርክብ እዩ።

፪ ~ ጾም፡ ንስጋኻ ንስምዒትካ ተቆጻጺርካ አብ ስቓይን ሞትን ክርስቶስ ምስታፍ። ካብ ኩሉ ምቾት ሥጋን ባህግታቱን ንርእስኻ ገቲእካ ፍጹም ተአዝዞ አብ መንፈስ አምላኽ ገርካ ምጉዓዝ እዩ። ንኹሉ ሕማቕ አመል ምቕያር። ርእስኻ መሊኽካ አብ ጎደና ሓርነት ምምራሽ፥ ንኹል ክፉእ እምቢ ኢልካ ምኽአል። ጎ.ኢ.ክ አብ በረኻ ነርብዓ መዓልቲ ጸይሙ። ምስ ሰማያዊ አብኡ ተወሃሂዱ። ጾም ንአምላኽን መገዱን ርኢና ከም እንኽእል ይገብረና።

፫ ~ ምጽዋት፡ ፍቕሪ ክብሃል ይክአል። ካብቲ አምላኽ ዝሃበካ ንዋታውን መንፈሳውን ህያባት ንኻልእ ሂብካ ምኽአል። ፍቕሪ ብብዙሕ መንገዲ ክግለጽ ይክአል ማለት ብምሃብ፥ ብምጽላይ፥ አብ ጸገም ካልኦት ብአካል ብምስታፍ ንሰባት ሰናይ ብምግባር። አምላኽ ንኹልና ዝተፈላለየ ህያባት ሂቡና አሎ። ነዚ ዝተዋህበና አብ ፍቕሪ አምላኽን ሓውናን ክነውዕሎ እዩ ተዋሂቡና። ብአኡ ገርና ሰናይ ምኽሪ፥ አብ ንዋታዊ ሓገዝ ዘድልዮ ክንሕግዝ፥ ብኹሉ ንሰባት አብ አምላኽ ፍቕሪ ከምዘሕድሩ ዝገብር ክንገብር ተዋሂብና አሎና። ሓውካ አፍቅር ዝብል ንሓውካ አብ አምላኽ ክበጽሕ ምሕጋዝ ማለት እዩ። እዚ ምጽዋት እዩ ህያብ እዩ፥ ንሓውና ብሓገዝና አፍደገ ሰማይ ንኸፍተሉ በቲ አነ ዝገብሮ ንአምላኽ ክርኢ ይኽእል።

ጾም እምብአር ንአምላኽ ጽን ክንብል ክንሰምዖ ዝሕግዘና ጊዜ እዩ። አብዚ ቅዱስ እዋን አምላኽ ብብዙሕ መንገዲ ይዛረበና ነቲ ካብ አምላኽን ፍቕሪ ሰብን ዝጉልብበና ነገራት ክንቅንጥጥ ሕልናና ክንፍትሽ። ገለ እዋን አምላኽ ብኸማና ዝበሉ ሰባት ገሩ ይዛረበና፥ ብቤተክርስትያኑ ገሩ ይዛረበና፥ ጾም ንሕሹኽታ አምላኽ ክንሰምዕ ጽን እንብለሉ እዋን እዩ።

ፍሉይ መለለዪ ዓቢ ጾም ንስሓ እዩ። ሓጢአት ምእካብ ሕማም ምብዛሕ እዩ። ሕማም ብእዋኑ እንተ ዘይተሓከምና አብ ሞት የብጽሓና ሓጢአትና እንተ ዘይተነሳሕና ኸአ ሞት ነፍሲ የምጽአልና። ሎሚ ብሓጢአትና ተአሚና እነኹ አምላኸይ ተዘከረኒ ዝገበርክዎ ሓጢአት ከቢዱኒ አሎ ዕርቂ ምሳኻ እደሊ አሎኹ ክንብል ከሎና ጾምና ትርጉም አልኦ።

አገባብ ጾምና ብግልን ብሓባርን ክኸውን አለዎ። 1. ብግሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ብግሉ ምስ አምላኽ ክዕረቕ ሓጢአቱ ክእመን እሞ ካብ ሎሚ ንድሓር ሓጢአት፥ ቂም በቐል፥ ንሰብ ክፉእ ምግባር፥ ዝኾነ ካልእ ውድቀት ይአኽለኒ ኢልካ ንስኻን አምላኽካን ዕርቂ ምፍጣር ብግልኻ ንአምላኽ ምርካቡ። 2. ሓባራዊ ጾም። ቤተክርስትያን ዝአዘዘቶ ጾም ምጻም። ብማሕበር ብስድራ፥ ብመደብ ፍሉይ መደብ ገርካ አብ ሰናይ ተግባር ምውፋር። ብፍላይ ስድራ ምስ ደቆም ጊዜ ጸሎት፥ አስተንትኖ፥ ሰናይ ተግባር ምግባር፥ መደብ ንስሓ ምግባር፥ ፍሉይ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምዝውታር፥ ብቑምስና ደረጃ አብ ዝግበር ፍሉይ መደባት ጸሎት ምክፋል። ኩሉ ብሓባር ንአምላኽ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ፍሉይ ጊዜ ክንህቦ።

አብ ዘዳግም 30፡15~20 እዋኑ ምርጫ አብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ምዃኑ ይነግር። እቲ ምርጫ ንአምላኽ ክንመርጽ እዩ። አብ ሉቃስ 9፡22~25 ንኢየሱስ ዝኽተል በቲ ንሱ ዝኸዶ ጉዕዞ ዝኸይድ ክኸውን ከምዝግባእ ይነግረና። መስቀልና ተሰኪምና ንአምላኽ ክንክተሎ። ነፍስ ወከፍና እንስከሞ መስቀል አሎና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና አሓዲስና ክንስከሞ ከሎና ፍሉይ ትርጉምን ጣዕምን ይህቦ። ሕይወትና ትርጉም ዝረክብ ከም ክርስቶስ ክንጉዓዝ ከሎና ጥራሕ እዩ። ንሱ ኸአ ንፍቕሪ ካልኦት ኢልካ ሕይወትካ ምውፋይ፥ ንኻልኦት ዋጋ ሂብካ ምግዳስ፥ ብሓደ መንፈስ ምስራሕ፥ ፍቕርን ርትዕን ብዘለዎ መገዲ ምንባር፥ እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ መንገዲ ዓወት ሕይወትና። ሰብ ንምሉእ ዓለም ሒዙ ነፍሱ እንተ አጥፍአ እንታይ ዓስቢ አልኦ ይብለና መድሓኒና። መምህርና ርእሱ ምእንቲ ካልእ ሂቡ ድሕነት ሂቡና አሰሩ ንከተል። ውሽጣውን ግዳማውን ሕይወትና መሊኽና ምስ አምላኽ ክንውሃሃድ ሎሚ እዋኑ እዩ።

ጾምና ንስሓና ቅቡል ክኾነልና ብርጉእ መንፈስን አብ ተግባር ዝተመርኮሰ ሕልና ሒዝና ንእተዎ አምላኽ ብጸግኡ ታትዩ ንቅድስናን አብ ሕይወትና ለውጢ ዘምጽእ ጾም ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.