2010-02-06 16:35:05

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንፕረሲደንት ሞልታ መልእኸቲ ልኢኾም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንናይ ሞልታ መራሕ መንግስቲ መልእኽቲ ከም ዝልአኹ ተፈሊጡ አሎ ።

ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ ዓሰርተ ሸውዓተን ዓሰርተ ሾመንተን ሞልታ ክበጽሑ መንግስቲ ሞልታ ከም ዝዓደሞም ክምልከት ከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንፕረሲደንት ሞልታ ገኦርግ አበላ ዝልአኽዎ መልእኽቲ ከም ዘመልክቶ፡ ክቡር ፕረሲደንት ሞልታ ክበጽሕ ዝገበርኩምለይ ዕድመ የመስግነኩም ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገምገም ባሕሪ ሞልታ ዝአተወሉ ግዜ ምስ ህዝቢ ሞልታ ሐቢረ ክዝክሮን ከብዕሎን ሐጎስ ይስምዓምኒ።

እቲ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንፕረሲደንት ሞልታ ዝጽሐፍዎ መልእኸቲ አብቲ ታይምስ ኦፍ ሞልታ ዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ ከም ዝወጸ ክፍለጥ ከሎ ፡ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቀጺሉ ፡ እዚ አጋጣማኢ”ዚ ንክርስትያናዊ እምነት ጥልቂ አስተንትኖ ንምግባር ሰናይ አጋጣሚ ኢዩ።

እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ አብ ሞልታ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ፡ ብክርስትያናዊ ባህሊ መሠረት ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብስሳ ዓመተ ምሕረት ንሮማ ክጓዓዝ ከሎ፡ አብ ገምገም ባሕሪ ሞልታ ዝጠለቀሉ መበል ሺሕን ትሽዓተ ሚእትን ሐምሳን ዓመት ኢዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቤተ ሊቀጵጵስና ሞልታ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ዓሰርተ ሸውዓተ ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ከተማ ቫለታ ምስ አተዉ ምስ ሰበ ሥልጣናት መንግስቲ ሞልታ ክራኸቡ ኢዮም ብድሕሪኡ ክአ አብቲ ራባት ዝብሀል ቦታ ዝርከብ ብዓቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክበጽሑ ኢዮም።

በቲ ቤተ ጵጵስና ሞልታ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዓሰርተ ሾሞንተ ሚያዝያ ንግሆ አብ ከተማ ፍሎርያና መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም። ድሕሪ ቀትሪ ክአ አብ ርእሰ ከተማ ቫለታ ቅርዓት ቫለታ ምስ መንእሰያት ክራኸቡ ኢዮም።

ብድሕሪኡ አማስይኦም ንሓዋርያዊ መንበሮም ንቫቲካን ከም ዝምለሱ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ። እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሞልታ ዘካይድዎ ሀገራት ሐቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ መበል ዓሰርተ አርባዕተ ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.