2010-02-06 16:34:48

.መግለጺ ፓትርያርክ ክሪል …


አብቲ ቅድሚ ሐደ ወርሒ ዝተዛዘመ ዓመት 2009 አብ መንጎ ሮማዊት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን አብ መንጎ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያንን ሩስያን ዝተኻየደ ዘተ አዎንታዊ ውጽኢት ከም ዝተመዝገበ አብ ቫቲካን ዝወጸ መገለጺ አገንዚቡ።

ትማሊ ናይ ሞስኮብን ናይ ኩላዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሩስያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል አብቲ አብ ሞስኮ ዝርከብ አዳራሽ መድኅን ክርስቶስ ዝተኻየደ ጉባኤ ጳጳሳት ተረኺቦም ቅድሚ ሐደ ዓመት ንፕትርክና ምስ ተመርጹ ዝተኻየደ ርክባትን ስራሕ ቤተክርስትያንን ብፋልይ ምስ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተገብረ ርክብን ዘተኮረ ሰፊሕ ዲስኩር ከም ዝገበሩ እቲ መገለጺ አመልኪቱ።

በዚ መገለጺ”ዚ መሠረት ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሩስያ አብ ዝሐለፈ ዓመት ምስ ወኪላት ሮማዊት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘካየደቶ ዘተ ክርስትናን ክርስትያንን ብዚምልከት አብ ብዙሕ መዳያት ዝጋጠም አብ ገለ መዳያት ሐደ ዓይነት ራእይ ከም ዘሎ ገሊጾም።

ዓለማውነት ዓለም ለኸ ጥምረት ሞራል ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝህብዎ መግለጺን መምርሒን ካብቲ ኦሮዶኮስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዘለዋ ርእይቶ ከም ዘፍለ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ናይ ሞስኮብን ናይ ኩላዊት ሩስያን ጳትርያርክ ከም ዝገለጹ መግለጺ ቫቲካን ሐበሬታ ሂቡ ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያንን አብ ኤውሮጳ ሐለዋ ግርማን ክብርን ሰብ ብዚምልከት ሐደ ዓይነት ሓሳብን ርእይቶን ከም ዘለወን ናይ ሞስኮቭ ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ሂላርዮን ዝሐለፈ ወርሒ መስከረም አብ ቫቲካን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ምስ ካልኦት ናይ ቤተክርስትያን ሰበስልጣናትን አብ ዘካይድዎ ርክብ ከም ዝተነጸረ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ከም ዘገንዘቡ ክአ እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

ናይ ሩስያ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል እቲ አብ ስትራስበርግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሰብአዊ መሰል ኤውሮጳ ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር አብ አብያተ ትምህርቲ መስቀል፡ ወለዲ ንደቆም በቲ ዝአምኑሉ ሃይማኖት ክምሩ ዝዕንቅጽ ተመሀርቲ አብ ዝደልይዎ ከአምኑ ወይ ንኸይአምኑ ዕድል ዝኸልእ ስለ ዝኾነ ካብ መናድቅ ክወርድ ክእለ ብማለት ዘሕለፎ ውሳኔ ንክርስትያናዊ ባህሊ ኤውሮጳ ዝጻረር ስለ ዝኾነ ብቤተ ክርስትያን ሩስያ ተቀባልነት ከም ዘይረኸበን በዚ ጉዳይ”ዚ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢጣልያ ብምትሕብባር ነቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ከም ዝተነጽገን ከም ዝዘከሩ መግለጺ ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ አገንዚቡ።

ክርስትና ምንጪን መንፈሳዊ ባህልን መንነትን ኤውሮጳ ከም ዝኾነ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ከም ዝገለጹ እቲ መግለጺ አፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብአዊ መሰል ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር አብ ኢጣልያ መስቀል ካብ አባየተ ትምህርቲ ክእለ ብማለት ዘሕለፎ ውሳኔ ብምቅዋም መንግስቲ ኢጣልያ እግባይ ኢሉ ከም ዘሎ ይዝከር ።

መስቀል ናይ ኢጣልያ መንነትን ታሪክን ስለ ዝኾነ እቲ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳኔ መንግስትን ህዝብን ኢጣልያ ከም ዘይቅበሎ መንግስቲ ኢጣልያ አብቲ እግባይ ዝበለሉ ሰነድ ከም ዘስፈሮ ይምልከት።

መንግስታት ኤውሮጳ ሃይማኖት ብዚምልከት ምስ ውሽጣዊ ሕገንን ታሪኸንን ባህለንን አዛሚደን ናይ ገዛእ ርእሰን ውሳኔ ክወስዳ ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብአዊ መሰላት ነጻ ክገድፈን መንግስቲ ኢጣልያ ሐቲቱ ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ።

ቀጺሉ ክርስትና ምንጪ ባህልናን ማለት ባህሊ ኢጣልያን መንነትን ኢጣልያ ዘንጸባርቅ ስለ ዝኾነ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ስትራስበርግ ዘሕለፎ ውሳኔ ቅኑዕ ውሳኔ ከም ዘይኮነ ከም ዘመልከተ ክአ ተነጊሩ።

አብ አብያተ ትምህርቲ ኢጣልያ ዝስቀል መስቀል ከም ምልክት ሃይማኖት ጥራሕ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ዘመልከተ መንግስቲ ኢጣልያ ዘቅረቦ ናይ እግባይ ሰነድ ምልክት ባህልን ታሪክን ጣልያን ከም ዝኮነ ምርዳእ ከም ዘድሊ ከም ዘገንዘበ ይፍለጥ።

መስቀል አብ አብያተ ትምህርቲ መልእክተ ሞራል ዝሐዘለ ይኹን ድአምበር ነቶም አብ መስቀል ዘይአምኑ ሐርነቶም ዝጻረር አብ ክርስትና ክአምኑ ወይ ከይአምኑ ዘገድድ ከም ዘይኮነ ከም ዘመልክት ክአ ተፈሊጡ አሎ። አብ ኢጣልያ መስቀል አብ ቤት ትምህርቲ ክስቀል ብ1928 ብሕጊ መንግስቲ ዝጸደቀ ከም ዝኾነ እቲ መንግስቲ ኢጣልያ አቤቱታ ከም ዘገንዝብ ይምልከት።

 







All the contents on this site are copyrighted ©.