Home Archivio
2010-02-04 13:56:25
ግብጺ
ናይ ግብጺ ርእሰ ብሔር ሆስኒ ሙባራክ ኣብ ሊቢያ ምብጻሕ ክገሩ ትማሊ ናብ ትሪፖሊ ከምዝነቐሉ ተሓቢሩ። ርእሰ ብሔር ሙባራክ ምስ ናይ ሊቢያ ርእሰ ብሔር ሙኣማር ገዳፊ ክራኽቡን
ብዛዕባ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ርክባት ኣብ ከባቢ ደቡብ ሜዲትራኒያን ሃገራት ክዝትዩ ምዃኖም እንክሕበር፣ ርእሰ ብሔር ሙባራክ ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሮም ኣህመድ ኣቡል ገይቲን ብናይ ሓበሬታ ጉዳይ ሚኒስትሮም ኣናስ ኤል ፊቂን ብካልኦት ናይ ግብጺ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ከምእተሰነዩ ተረጋጊጹ።
All the contents on this site are copyrighted ©.