2010-02-04 13:53:46

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ማኅበር


እዚ ብዩኔስኮ ኣህጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ማኅበር፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣቢያተ ትምህርቲ ዝቐርብ መደብ ትምህርቲ መሠረት RealAudioMP3 ገይሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዝተኸስተ ቅልውላው ቁጠባ ንመደብ ትምህርቲ ዝስላዕ መጠን ገንዘብ ንምንካይ ፈጺሙ ምኽንያት ክኸውን ከምዘይብሉ ብምምልካት፣ እቲ ኣብ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ዝርኤ ዘሎ ምምሕያሻት መደብ ትምህርቲ ብምኽንያት ቅልውላው ቁጠባ ዓለም ንድሕሪት ክሱጉም ከምዝደረኸ ነቲ ናይ ዩኔስኮ ጸብጻብ ዘቕረባ ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ዋና ኣመሓዳሪት ኢሪና ቦኮቫ ገሊጸን። ካብ ድኽነት ንምድሓንን ካብዚ ሓደጋ ንምውጻእን ቀንዲ መሠረት መደብ ትምህርትን ምስፍሕፋሕ ትምህርትን ምዃኑ፣ ዝእመነሉ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ጻዕሪ ዝሑል ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ብዙሓት መንእሰያት ካብ ትምህርቲ ዓለም ክርሕቁን ካልኦት እውን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ንኸይክበረሎም ይድርኽ ኣሎ ከምዝበላ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋግጽ።

እቲ ነቲ ኣብ ጠርዚ ማኅበረሰብ ዝነብር ሕዝቢ ምድጋፍ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቀረበ ጸብጻብ፣ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 143 ሚሊዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ሕጻናት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ዝተነፍጎም ከምዝኾነ ብምሕባር፣ እቲ ብሚሊዮኑም ዝጽዋዕ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ድኽነት ንምውጋድ ዝሓንጸጾ መደብ ልምዓት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣንተድኣ ቀጺሉ ብዝሒ ናይቶም መሰል ትምህርቲ ዝተሓርሞም ሕጻናት ናብ 56 ሚሊዮን ክወርድ ምዃኑ ከምዘመልከታ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።

ብኻልእ መዳይ ዩኔስኮ ኣብ ዳካር ብዛዕባ ናይ ኣፍሪቃ ናይ መባእታ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መጠን ንኽምሃሩ ዝምዝገቡ 90% ከምዝኾነን፣ መጠን ኣቶም ትምህርቲ ዝከታተሉ ግን ኣዚዩ ትሑት ከምዝኾነ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.