2010-02-04 13:51:47

ሕቡራት መንግሥታት ዓለም


ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ኤኮኖምን ሕዝባውን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈቱ ገይሩ ዕድመ ሕዝቢ ዓለም 2009 ዓ.ም.ፈ. ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ፣ RealAudioMP3 ሕዝቢ ዓለም ናብ ምእራግ ገጹ ዘድሃበ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ኣብ 2045 ዓ.ም.ፈ. ልዕሊ ስልሳ ዓመት ዝኾነ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ካብቶም ካብ ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ዝኾነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ክብ ክብል ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ከምዘመልከተ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃብታም ዝበሃላ ሃገራት ዝነበር ሕዝቢ ብሓድሽ ወለዶ ናይ ምትካእ ድላይ ኣዚዩ ትሑት ብምዃኑ፣ ብዝሒ ኣረጋውያን ኣዚዩ ክብ ክብል ከምዝደረኸን፣ ማእከላይ ዕድመ ሕዝቢ ዓለም 28 ክኸውን እንከሎ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዘመን እቲ ማእከላይ ዕድመ ናብ 38 ክብ ክብል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ከምዘመልከተ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።

ናይ ዘርኢ ምትካእ ማለት ናይ ምውላድ መጠን ኣዚዩ እናደኸመ ይኸይድ ብምህላዉ፣ እዚ ድማ ኣብ ከይዲ ኤኮኖሚ ዓለምን ብሔራዊ ሓቆፍን ኣሉታዊ ጽላዋ ከምዘለዎን፣ ንናይ ምውፋርን ዕዳጋን ዕዮን ፖለቲካ ኣዚዩ ዝሃስን፣ ንናይ ቁጠባ ኤኮኖሚ እውን ዝጎድእ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ዝጠቀሰ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። ኣብዚ እዋን እዚ ሚዛን መጠን ሠራሕተይናን ጡረተይናን ትሸዓተ ኣብ ልዕሊ ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ. እዚ ኣብ መንጎ ሠራሕተይናን ጡረተይናን ዘሎ ናይ ብዝሒ ስኒት ክዛባዕ ምኻኑን፣ እዚ ድማ ንናይ ጡረተይና ደሞዝ ተባሂሉ ካብ ዶመዝ ዝቑረጽ ሃብቲ ገንዘብ እዚዩ ትሑት ክገብሮ ኢዩ። ናይ ጡረታ ኣበል ንምኽፋል ኣዚዩ እናሸገረ ክኸይድ ዝድርኽ ኩነት እውን እንክኸውን፣ እቲ ኣብ መንጎ ሠራሕተይናን ጡረተይናን ዘሎ ናይ መጠን ስኒት ኣርባዕተ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከምዝኸውን እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጸብጻብ ዝተቐሰ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ኢጣሊያ ሚላኖ ከተማ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ብዝሒ ሚዛን ዘርኢ ሰብ መምህር ኣለሳንድሮ ሮሲኒ እቲ ጸብጻብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣመልኪቶም ምስ ርዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርኤ ዋሕዲ ናይ ወላድ መጠን ኣብ መላእ ዓለም ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ዘመልክት። እዚ ድማ ነቲ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሥራሕ ዝሰናበትን ኣብ መዳይ ኤኮኖሚ ተራ ዘይብሉ ክፍሊ ኅብረተሰብ ክብ እናበለ ይኸይድ ብምህላዉን እዚ ድማ ናይ ልምዓት ጎዳና ዕንቅፋት ኢዩ። ኣብ ጡረታ ዘሎን ናብ ጡረታ ገጹ ዝቐረበን ምስቲ ኣብ ሥራሕ ዝዋፈር ብዝሒ ሓድሽ ወለዶ ዘይመዓራረይ ብምዃኑ ንናይ ምንባይ መደብ ኤኮኖሚ ኣዚዩ ዝሃሲ ኵነት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ናይ ኤውሮጳ ናይ ስነ ሕዝብን ከባብን ልምዓትን መጽናዕቲ ማእከል ሊቀ መንበር ሪካርዶ ካሾሊ ብወገኖም ኣብ ቫቲካን ራዲዮ ብዝሃብዎ መግለጺ፣ እዚ ዝርአይ ዘሎ መጠን ምንካይ ወሊድ ኵለን ሃገራት ንስድራ ቤት ዝድግፍ መደብ ቁጠባ ከረጋገጻ ብግቡእ ዘተባብዕ ኢዩ። ዓለም ሓቆፍ ናይ መደብ ልምዓት ንዘምርት ኤኮኖሚ ዝድግፍ ኮይኑ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዘተባብዕን ዝተፈላለዩ ሕምማት ናይ ምጥፋእ ወፈራ ዘማእከልን፣ መጠን ወሊድ ዘተባብዕ ኮይኑ ክሕንጸጽ ኣለዎ። ስለዚህ እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ሥግኣት እቲ ብስም ምዕባለ ተባሂሉ ዝስበኽ ወሊድ ዝቆጻጸር መደብ ኤኮኖሚ ክውገድ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኢዩ እክብሉ ዝሃብዎ መገለጺ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.