2010-02-02 13:33:51

ነፍስኄር ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ


ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ኣብታ መንበር ጳጳሳ ካቴድራል መሥዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ፣ መሣርሒ ብዝተዓጥቁ ጸረ ሕዝቢ ናይ ገበን ጉጅለ ኢድ RealAudioMP3 ብዝተተኮሰሎም ጥይት ዕለት 24 መጋቢት 1980 ዓ.ም.ፈ. ከምዝዓረፉ ክዝከር እንከሎ፣ ናይ ሳን ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ናይ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ከይዲ ምእዋጅ ብፅእና ንኽጅመር ፍቓድ ናይ መሕተቲ መክእኽቲ ናብ ናይ ቅዱስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ንኸመሓላልፍ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዝወሰነ፣ ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ኤስኮባር ኣላስ ኣረጋጊጾም።

እዚ ድማ ናይ ሳን ሳልቫዶር ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ድላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ህዝቢ ሳን ሳልቫዶር ሃረርታ እውን ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ኤስኮባር ቀጺሎም፣ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ቕትለት ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ኣብ ዝመርሕዋ ርእሰ ሰባኻ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኩለን ናይ ሳን ሳልቫዶር ቁምስናታትን ሰበኻታትን ክካየድ ናይዛ ሃገር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ከምዝወሰነን ገሊጾም። እዚ ብመንፈሳውን ባህላውን መደባት ተሰንዩ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ዝኽሪ መሥዋዕቲ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ፣ ሓደኣዊ መልክዕን ቤተ ክርስትያናዊ መሠረት ዘለዎ እውን መታን ክኸውን ኣብ መላእ ካቶሊክ ቤት ክርስትያን ሳን ሳልቫዶር ብሓባር ክዝከር ናይ ሳን ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ከምዝወሰኑን ብፁዕነቶም ኣረጋጊጾም። ኣብ መላእ ሳን ሳልቫዶር ጥራሕ እውን ዘይኮነስ ኣብ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን እውን ክብዕል ምዃኑ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.