2010-02-01 13:04:38

መልእኽቲ ጾም ኣርበዓ ር.ሊ.ጳ.


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 4 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ንናይ ለብዘበን ዓቢይ ጾም ምኽንያት “ርትዒ እግዚኣብሔር ዝግለጽ ኣብ ክርስቶስ ብዘሎና እምነት ኢዩ” ብዝብል ኣርእስቲ RealAudioMP3 ዝተጽሓፈ ከምዝኾነን ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ እዛ መልኽቲ ጾም ኣርብዓ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ጳጳሳዊ ማኅበረ ረድኤት ኮር ኡኑም ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ጆሴፍ ኮርደስ ብዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ጃምፔየትሮ ዳል ቶዞ ተሰንዮም ጋዜጣዊ መገለጺ ክህቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር። ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ነዛ መልእኽቲ ኣብ ዘቕርቡላ ዕለት ናይ ኤውሮጳ ኅብረት ህዝባዊ ባይቶ ሊቀ መንበር ዝነበሩ ናይ ኮንራድ ኣደናወር ረድኤት ማኅበር ሊቀ መንበር ሃንስ ገር ፖተሪንግ ክሳተፉ ክምእተዓደሙ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የረጋግጽ።

ፖተሪንግ ናይ ጀርመን ናይ ዴሞክራሲያዊ ክርስትያን ኅብረት ኣብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ሕዝባዊ ሰልፊ ፖለቲካ ኅብረት ወኪል ከምዝኾኑን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ጀርመን ልኡከ መንግሥት ብምኽንያት መበል 75 ዓመት ብፁዕ ካርዲና ፖል ጆሴፍ ኮርደስ ኣብ ዘዳለዎ ርክብ ከምእተሳተፉን፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ናይ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ባህላ መሠረት ክሕሎን ክኽበርን ኣዚዮም ክዓዩ ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ ዜና የረጋግጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.