2010-01-28 13:43:42

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት


ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ ዝሳተፍ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝተሰምየ ናይ ተራድኦ ማኅበር RealAudioMP3 ኣብ መዳይ ኤኮኖሚ ናይ ሰብኣውነት ክብሪ ክምለስ ጻውዒት ከምዘቕረብ ተሓቢሩ።

ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ዝቕጽል እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኢኮኖሚ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ከምእተጀመረ እንክንገር፣ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕትን ናይ ኤኮኖሚ ሚኒስትራትን ዓለም ሓቆፍ ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ማኅበራት ወከልትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ። ነተን ኣብ 200 ሃገራት ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘቕርባ ዘለዋ 164 ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበራት ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ለስለይ ኤን ናይት ኣብ ከይዲ ኤኮኖሚ ዓለም ሥነ ምግባር ዳግም ክምለስን ሰብ ዘማእከለ ክኸውን መታን ክብሪ ሰብኣውነት ዳግም ክዓስሎ ከምዝግባእ ነቲ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘቕርብዎ ዘረባ ከረጋግጹ ምዃኖም ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

ዓለማውነት ኅብረ ባህልን ኅብረ ዓሌትን ምትእስሳራት ብስነ ምግባር ተመሪሑ ሰብኣውነት ዘማእከለ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘይምዕሩይ መነባብሮን እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፍልልያት ሃብታምን ድኻን ክሥገር ከምዝከኣልን ከምዝውገድን እውን ዝተረጋገጸ ምዃኑ ከምዘመልክቱን በዚ ኣጋጣሚ ድማ እቲ ኣብ ሃይቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ርእደ መሬት ዘውረዶ ናይ ሰብን ንብረትን ኪሳራ ኣብ ግምት ብምእታው ሕዝቢ ዓለም ንሃይቲ ኣብ ምድጋፍ ክተብዕ ከምዘለዎ ከተሓሳቡ ምዃኖም መግለጺ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ይሕብር።

ናይ መጻኢ ሓላነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ናይቲ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ መዕጸዊ ኣኼባ ብናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስን ናይ ሓድነት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ዶክተር ሮዋን ዊሊያምስ ክምራሕ ከምእተሓተ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.