2010-01-28 13:42:11

ምትሕብባር ኣብ መንጐ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን


ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ማኅበረሰብ ኤማኑኤልን ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ፒየር ጉርሳትን ምስ ተቛም ረደምፕቶሪስ ሆሚኒስ RealAudioMP3 ብምትሕብባር ካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ እቲ ምትሕብባር ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሠረት ዝገበረ ንኣስፍሆተ ወንጌልን ምስፍሕፋሕ ቤተ ክርስትናን ዘተባብዕ መንፈስ ተኸቲሉ ክሕደስን ሓድሽ ቅርጺ ክለብስ ይግባእ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ናይ ኃላፍነትን ተልእኾን ጸዋዕታን ፍልልይ እኳ እንተሃለወ ናይቲ እንኮ ናይ ምድሓን ታሪኽ ልኡኻት ኢዮም ስለዚ በቢጸዋዕታኦም ነዚ ታሪኽ ምድሓን ብሓባር ከስፋሕፍሕዎን ነቲ እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ ዝመስል ኃላፍነት ጸዋዕታ ተወጊዱ ኵሉ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ሓባርን ሓላፍነት ከፍጽም ኣለዎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.