2010-01-26 14:19:15

ዓመት ክህነት


ናይ እምነት ክርስቶስ ናይ ካህን እምነት፣ ብዝብል መሪሕ ቃል ተሰንዩ ለምዘበን ናይ ክህነት ዓመት ክብዕል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት፣ ትማሊ ናይ ፊሊፒንስ ውሉደ ክህነት ኣብ RealAudioMP3 ማኒላ ካልኣይ ናይ ካህናት ጉባኤ ከምዝኸፈተ ተገሊጹ።

ካህን ዝነብሮ እምነትን ኣብ ክህነት ዝገልጾ ተኣማንነት ናይቲ ናይ ክርስቶስ እምነት ነጸብራቕ ምዃኑ ዝትንትን ምዃኑ ዝገልጽ ዝካይድ ዘሎ ጉባኤ፣ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ብዘቕረብዎ ስብከት ከምእተጀመረ ተገሉጹ። ቀጺሎም ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ኢሙስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ናይ ቲዮሎግያን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንትን ኣስተምህርቶታት ከቕርቡ ምዃኖምን እዚ መደብ ካልኣይ ጉባኤ ካህናት ፊሊፒንስ ብናይ ሓባር ናይ መስዋዕተ ቅዳሴን መቕጸርያን ፍኖተ መስቀል ጸሎትን ዝተሰነየ ከምዝኸውን እንክንገር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓመት ክህነት ብምእዋጅ ንመላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘተሓላለፍዋ መልእኽቲ ዘማእከለ ዝተሓደሰ ውሉደ ክህነት፣ ዝተሓደሰት ቤተ ክርስትያንን ዝተሓደሰት ሃገርን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰነየ መንፈሳዊ ርክባት እውን ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.