2010-01-26 14:15:22

ኅያውነት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘለዎ ልዑል ክቡር ዋጋን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስትያንን ማኅበር ክርስትያንን ዓለምን ዘለዎ ተራ ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሓት ናይ ኢጣሊያ ናይ ቲዮሎግያ ሊቃውንቲ ብዝገበርዎ ጻዕሪ ካብ ትማሊ ጀሚሩ RealAudioMP3 ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተፈላለዩ ሓበሬታን መረዳእታን ትንተናን ዝቐርበሉን ብፍላይ ድማ ናብ መንእሰያት ዘቕንዔ ብዛዕባ እቲ ጉባኤ’ቲ ዘለዎም ርድኢት ከኻዕብቱ ዝሕግዝ ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ቪቫኢልኮንቺሊዮ ነጥቢ ኣይቲ /a> ብዝብል ኣድራሻ ድረ ገጽ ከምእተደርሰ ተሓቢሩ። እዚ ብዛዕባ ካልኣይ ቫቲካን ጉባኤ ዝምልከት መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርትን ቲዮሎግያዊ ጥበብን ከምኡ ድማ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምልከት ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት መግለጽን ሓበሬታን መብራህርህን ዝቐረበሉ ምዃኑ ነዚ መደብ ዘነቓቕሑ ናይ ኢጣሊያ ማኅበር ሊቃውንቲ ቲዮሎግያ ምኽትል ሊቀ መንበር ፕሮፈሰር ማርኮ ቨርጎቲኒን ናይ ቲዮሎግያ ሊቅ ኣባ ሰቨሪኖ ዲያኒክ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃል ምልልስ ኣመልኪቶም። ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘይዓሙይቕን ሓርፋፍን ተባራሪ ፍልጠትን መግለጽታትን ክወሃብን ብሓፈሻኡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እናተብሃለ ዝቐርቡ ሓበሬታ ንምውጋድን ኵሉ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦን ርድኢትን ግንዛቤን ንኽህልዎ ተባሂሉ ዝተኣመት መደብ ምዃኑ ፕሮፈሰር ማርኮ ቨርጎቲኒን ሓቢሮም፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዋናውነት ዘለዎን ኅያው ኢዩ። እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንናይ ሳልሳይ ሺሕ ዓመት ቤተ ክርስትያን ቡሶላ ኢዩ ዝበልዎ ሓሳብ የረጋግጾ ኢሎም።

ናይ ቲዮሎግያ ሊቅ ኣባ ሰቨሪኖ ዲያንኪ መንእሰይ ወለዶ ካብቲ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝወሃብ ተንከፍ መግለጽታት ተላቒቑ ብቐረባ ዓሚዩቕ መረዳእታ ክረክብ ዝሕግዝ መርበብ ሓበሬታ ኢዩ ኢሎም። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጥልቂ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኢዩ፣ እቲ ኣንፈት ቤተ ክርስትያን ዝሕብር ጉባኤ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክስትያን ምእመናን ድላይ ዝስሓበ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ምእንቲ’ዚ ኵሉ ብቐረባ እንታይነት ትርጉም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክፈልጥን ካብቶም ዝወሃቡ ሓርፋፍ ተባረርቲ መግለጽታት ናጻ ኮይኑ ዓሚዩቕ ኣፍልጦ ንኽህልው ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም። ፕሮፈሰር ቨርጎቲኒ ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንድሕሪት ገጽና ክንጓዓዝ የብልናን ንዝበልዎ መገልጺ ዝኽተል ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.