2010-01-26 14:16:33

ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ


ሕይወት ካብ ምጽናስ ዝጅምር ምዃኑ ዝሕብር መሠረታዊ መምርሒ ንኽኽበር ናይ ሕይወት ባህሊ ዘማእከለን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ከምዘለዎን፣ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዝስበኽን ዝሕንጸጽ ሕጊ ኮይኑ RealAudioMP3 ዝቐርብ ናይ ሞት ባህሊ ዘስፋሕፍሕ ውሳኔ ክውገድ ዘነቓቕሕ መገልጺ ካብ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዝተመሓላለፈ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ኬንያ ህዝባዊ ባይቶ ድረገት ሓዳሲ ቅዋም፣ ሕይወት መዓስ ኢዩ ዝጅምር ንዝብል ሕቶ ካብ ምጽናስ ዘይኮነስ ካብ ምውላድ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዘንጸባርቕን ምንጻል ጽንሲ ናይ ምፍቃድን ናይ ሞት ባህሊ ዘተኣታትውን ሓሳብ ብውሽጡ ዝማላእ መልሲ ዘቕርብ ምዃኑ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ከምዘመልከተ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።

ናይ ኬንያ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቅድም ክብል ናብቲ ናይ ኬንያን ቅዋም ሃገር ንኽሕድስ ዝተመዘ ድርገት፣ ናይ ሕይወት ባህሊ ዕሽሽ ንኸይብሃል ዘቕረበቶ ጻውዕቲ እቲ ድረግት ከምዘየኽበሮ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መገልጺ ከምዘመልከቶ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.